ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነን ትፅቢትን ጉባኤታት ህውሓትን ኢህወዴግን


ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ኣብዝሓለፉ ሰሙናት ጉባኤአን ብምክያድን መራሕተን ብምምራፅን መበለ 11 ጉባኤ ኢህወዴግ ሎማዕንቲ ረቡዕ 23 መስከረም 2011 ዓ/ም ዋና ከተማ ብሄር፣ብሄረሰባት ህዝብታትን ክልል ደቡብ ኣብዝኾነት ሃዋሳ ጀሚሮም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉባኤኡ ዘካየደ ህውሓት ልዕሊ ፍርቂ ሓደስቲ መናእሰይ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ንክኾኑ እንተገበረ እውን ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ፖሊት ቢሮ ክንድቲ ዝድለ ኣይኣተውን ይብሉ ሪኢቱኦም ዝሃቡና ምሁራትን ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣክቲቪስትታትን።ወ/ሪት ሓዳስ በርሀ ብዓልቲ ሙያ ሕጊ ኮይና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ ንስድተኛታት ዝሰርሕ ናይ ኖርዌይ ትካል ትሰርሕ።ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እውን ትነጥፍ።

ኣቶ ሃያሉ ጎደፋይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ነቀምት መምህር ሰነ-ልምዓት እዩ።ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምፅሓፍ ይፍለጥ።

ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ኣብ ውሽጠን ብሰንኪ ዘሎ ምስሕሓብንን ይኽተልኦ ብዘለዋ ዝተፈላለየ ናይ ፖለቲካ እምነትን ሓደ ኮይኑ ክቕፅሉ ክፅገሙ እዮም ይብሉ ክልቲኦም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:30:06 0:00

XS
SM
MD
LG