ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

52 ሚእታዊት ኣባላት ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ተሸይመን


ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሚንስተርን ሚንስተር ድኤታን ዝነበሩን ሓዊሱ ትሽዓተ ሓደሽቲ ኣባላት ካብኔ ብቕድሚ ትማሊ ሸይሙ’ሎ።ሰለስተ ኣማሓደርቲ ዞባታትን እውን ተሸይሞም።

ቅድም ክብል ምስ ዝነበሩ ኣባላት ካብኔ ሓዊሱ ብድምር 17 ኣባላት ካብኔ እንትኾኑ ካብኦም ትሸዓተ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ዝነበራ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋን ብደረጃ ምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኢንዱስትሪን ዝነበሩ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማን እውን ተተኪኦም ኣለው።

ብዛዕባ እዝን ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ምስ መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለ ወ/ሪት መብራት ሃፍቱን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፍ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ሃይሉ ከበደን ዘካየድናዮ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:31:00 0:00

XS
SM
MD
LG