ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ኣብ ካልኣይ ዙር ክትዕ ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ


ካልኣይ ዙር ክትዕ ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ትማሊ ኣብ ከተማ ሴንት ሉዊስ ተኻይዱ።

ክልቲኦም ሕጹያት ንመን ይመርጹ ካብ ዘይወሰኑ ኣሜሪካዊያን ንዝቀረበሎም ሕቶታት ውን መሊሶም።

ሓሓሊፎም ኣብ ክትዖም ተላቲሞም' ዮም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ምሸት ክትዕ አገዳሲ ትኩረት ካብ ዝረኸቡ ዛዕባታት ፖሊሲ ጥዕና(Obama Care):ፖሊሲ ግብሪ :ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ: ኢምግረሽንን ካልኦትን ይርኸብዎም።

ክልትኦም ሕጹያት ፕረዝደንት ገና ሓደ ናይ መወዳእታ ክትዕ ተሪፍዎም ኣሎ።

ነቲ ክትዕ ብዝምልከት ርእይቶኦም ክገልፁልና ካብ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ኣቶ ብርሃነ ኣማረ ምሁር ፖለቲካ ሳይንስ ብውልቂ ስራሕ ዝመሓደሩን ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣቶ ዮሃንስ ክፍለ ዋና ዳይረክተር ምምዕባል ኮርፖረሽን ካብ ዋሽንግተን ዲሲ እዮም።

ሓፈሻዊ ትዕዝብቶምን ካልእን ብዝምልከት ዘካየድዎ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ዘተ ኣብ ካልኣይ ዙር ክትዕ ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:07 0:00

XS
SM
MD
LG