ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ስርዓት ‘ኢረቻ’ ናብ ህውከትን ሞትን ተቀይሩ


‘ኣብ ከም’ዚ ዝኣምሰለ ዓብዪ ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል፣ ከም’ዚ ዓይነት ሞት ክትሪኢ ከለኻ ከምዜጋ ብጣዕሚ’ዩ ዘሕዝን’ ይብሉ ናይ ሎሚ ኣጋይሽና። ንሕዙናት’ውን ፅንዓት ተመንዮምሎም።

ሓዲኡ ተሳተፊ ‘ሓይልታት ጸጥታ ልዕሊ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ስርዓት እኹል ክላዓል ንዝኽእል ዕግርግር ንምቁጽጻር ምቅርራብ ኣይነበሮምን’ ይብል።

እቲ ካልእ ተሳታፊ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ኣኼባ ክላዓል ዝኽእል ዕግርግር ዝቆጻጸረሉ ዕድል የለን’ ይብል።

መሰረታዊ ጸገማት’ታ ሃገር እንተዘይተፈቲሖም ስነ ስርዓት ቀብሪ’ውን ናብ መድረኽ ተቃውሞ ዝሰጋገርሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ ንዝተቀትሉ ኢትዮጵያዊያን ንምዝካር ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ ናብ ተቃውሞ ከምዝተቀየረ ምዝካር ስለምንታይ ዘይተካእለ’ውን ኢሉ ይሓትት ሓደ ተሳታፋይ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ስነ-ስርዓት ‘ኢረቻ’ ናብ ህውከትን ሞትን ተቀይሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:56 0:00

ስነ-ስርዓት ‘ኢረቻ’ ናብ ህውከትን ሞትን ተቀይሩ ( ካልኣይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:30 0:00

XS
SM
MD
LG