ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሙሽተ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሃገራዊ መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ትንታነኦም ይህቡ


018.
018.

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፖሊሲ ኢምግረሽን ንክማሓየሽ ‘ምእኩል’ ዝበልዎ እማመ ኣቕሪቦም፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ግና ምክፍፋል ኣስዒቡ ኣሎ። ብሕልፊ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ስደተኛ ቆልዑ ናብ ዝመጹለን ሃገራት ንከይጥረዙ ብከመይ ክንከላኸለሎም ንኽእል ኣብ ዝብል ሕቶ።

እዞም ናይ ሎሚ መናእሰይ ቅድሚ ዓመታት ምስ ወለዶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው’ዮም። እንታይ ንግበሮም? ኣብ ዝብል ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንትን ኣባላት ቤት ምኽሪን ምስሕሓብ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ መደረ ኩነተ-ሃገር ‘ቀዳማይ ሓላፍነተይን ግዴታይን ንኣሜሪካዊያን ምሕላውን ምክልኻልን’ዩ’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

ዴሞክራሲያዊ ሴኔተር ሪቸርድ ብሉመንተል ግና ‘መደረ ትራምፕ መደረ ከፋፋሊ መራሒ’ ኢሎም ኮኒኖምዎ።

ምስ ጠበቓታት ሕጊ ኣቶ ተመስገን ተካ፡ ኣቶ ክፍሎም መለስ፡ ኣቶ ዮውሃንስ ዓንደ፡ ከምኡ ድማ ክኢላ ወፍሪ ንግዲ ኣቶ ኖህ ዓንደ፡ ከምኡ`ውን ክኢላ መስርሕ ምኽፋልን ምምላስን ግብሪ ኣሜሪካ ኣቶ በርሀ ስዩም ኣብርሃ ዝተገብረ መደብ ቀዳማይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG