ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ፈወርቂ ኣብ ሱዳን ብዓይኒ ተንታኒ


ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን የካይድዎ ዘለው ዑደት ካልኣይ ማዕልቱ ሒዙ ኣሎ።ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡህራንን ኣብ ክልትኣዊ ምትሕብባር ከምዝተዘራረቡ ሰበስልጣን ሱዳን ገሊፆም ኣለው።

ትማሊ ሶኑይ ናብ ሱዳን ዝገሹ ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሕቲ ሱዳን ተዘራሪቦም ኣለው።እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣብዝተፈጠረሉን ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጠረ ግጭት ንኢትዮጵያ ብምሕጋዛ ኣብ እትንቀፈሉን ዘላ እዋን እዩ።

ሓደ ምኽኒያት ናይ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ናይ ሱዳን ዑደት ከም ንእሽተይ ሃገር ካብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንሓንቲአን ምምራፅ ስለዘይትደሊ ክኸውን ይኽእሉ ይብሉ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ሎንግ ኣይላንድ ዩኒቨርስቲ መምህር ቢስነስ ባክሪ ኤልመድኒ።ምስ ክልትኤን ዓበይቲ ሃገራት ፅቡቕ ርክብ ክህልዎ ይደልዩ እዮም ይብሉ ወሲኾም።

ካብዚ ልዕል ብዝበለ ኣብ ዶባት ይኸውን ምስ ዘሎን ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ዘሎ ኣፈላላያትን ሓዊሱ ኣብ ፖለቲካዊን ዞባውን ዛዕባታትን ንምዝርራብ ምኽኒያት ናይቲ ዑደት ክኸውን ይኽእል ኢሎም ባክሪ ።

‘’ኢሳያስ ኩሉ ሻዕ ኣብ ናይቲ ዞባ ፖለቲካዊ ኩነታት ንርእሶም ከመይ ከምዘቐምጡ ዝፈልጡ ሰብ እዮም’’ ይብሉ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መገሻ ምኽኒያት ተሓቲቶ ‘’ከምዝመስለኒ ምናልባሽ ክልተ ነገራት ምርኣይ ይክኣል ። በቲ ሓደ ወገን ኢሳያስ ብዝተፈላለይ ምኽኒያታት ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንሓንቲአን ክመርፁ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ክኾኑ ድልየት የብሎምን።ሱዳን ዘይተረጋግአት ሃገር እያ።ሱዳን ንርእሳ ንናይ ኤርትራ ዘይምርግጋእ ዓባይ ምኽኒያት ክትኸውን ትኽእል።ብተመሳሳሊ ድማ ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ቀሊል ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዝንቀሳቐስሉ ኩነታት ኣሎ።ሰልዝኾነ ኢሳያስ ብሓቂ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ ዘኽኣሎም ርክብ ብምዕቃብ ዝተሓሰበሉ ፀዋታ ንምፅዋት ይፍትኑ ኣለው ኢለ እየ ዝግምት’’ ኢሎም::

ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ናብ ሱዳን ዝገሽሉ ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ዘለሉን ኤርትራ ድማ ኣብቲ ግጭት ተሳታፊት እያ ዝብል ክሲ ኣብዝቐረበሉ እዋንን እዩ።ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ መሬት ምስሕሓብ ኣብዝተፈትጠረ እዋን ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ገለ ታራ ክፃወቱ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ እዞም ተንታኒ ከምዚ ኢሎም።

‘’እጠራጠር እየ።ኣነ ከምዝመስለኒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለው ጉዳያት ብዙሕ መልክዓት ዘለዎን ዝተሓላለኸን እዩ።ኤርትራ ድማ ከም ሃገር ስትራተጂያ ሓይሊ ይኹን ወይ ረብሓ\ለቨረጅ\ የብላን።ኤርትራ ንእሽተይ ሃገር እያ።ሓቂ እዩ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብኣንፃራዊ ኩነታት ዝተረጋግአት እያ ነይራ፤ብዙሕ እትህቦ ነገር ግን የለን።ስለዚ ኢሳያስ ብትኽክል ንምፍፃም ዝፍትኑ ዘለው እዚ ይመስለኒ።ምስ ኣብይ ከም ዝቡቕ መሓዛን ስትራተጂያዊ መሻርኽቲን ገይሮም ንምቕማጥ እዮም ዝፍትኑ ዘለው።ዝበዝሕ መሪሕነት ኤርትራ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ሱዳን ስለዘሕለፉ ጥቡቕ ባህላዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ሰብ ብባህሊ ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም’’ ኢሎም ባክሪ ።

ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ናይታ ሃገር ፕሬዝዳንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሓን፣ምስ ቀዳማይ ምንስቴት ዓብደላህ ሓምዶክ ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ዛዕባታት ዘቲዮም ኣለው ብመሰረት ፀብፃብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት።ሎማዕንቲ ድማ ምስ ናይ ሱዳን ምንስቴር ወፃኢ ዶክተር መሪየም ኣል ሳዲቅ ብምርኻብ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ፕሮግራማትን ንረብሓ ኽልቲአን ሃገራት ዝምልከቱ ዞባዊ ዛዕባታትን ምዝርራቦም ምንስቴር ምንስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ፈወርቂ ኣብ ሱዳን ብዓይኒ ተንታኒ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:34 0:00


XS
SM
MD
LG