ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፓሪስ ዝተበፅሐ ስምምዕ ኩነታት ኣየርን ትርጉሙን


ዶ/ር ሳራ ተወልደ (የማን) ዶ/ር ጽጋቡ ኣስመላሽ (ጸጋም)
ዶ/ር ሳራ ተወልደ (የማን) ዶ/ር ጽጋቡ ኣስመላሽ (ጸጋም)

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝተኻየደ ጉባኤ ኩነታት ለውጢ ኣየር ልዕሊ 190 ሃገራት ዓለም ዝተሰማምዓሉ ውዕል ካብ ትፅቢትና ንላዕሊ ኣዕጋቢ እዩ ይብሉ ተሓባባሪት ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶ/ር ሳራ ተወልደን ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ታውሰን ዶ/ር ፅጋቡ ኣስመላሽን።

'እንተተኻኢሉ መጠን ሙቑት ካብ 1.5 ዲግሪ ሴንትግሬድ ንከውይስኽ ክንፍትን ኢና ኣብ ዝብል ስምምዕነት ስለዝበፅሑ ካብ ዝተፀበኹዎ ንላዕሊ ኮይኑ ረኺበዮ' ትብል ዶ/ር ሳራ።

'ኣብ ዓለም ንሓደ ነገር 192 ሃገራት ክሰማምዓሉ ታሪኻዊ እዩ' ዝበለ ዶ/ር ፅጋቡ ብወገኑ ኣስዒቡ '186 ሃገራት መጠን ዋዒ ዘጉድላሉ ትልሚ ምውፅአን ንዓይን ብጣዕሚ ዘሐጉስ እዩ' ይብሉ።

ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ዝማዕበላ ሃገራት ንስራሕቲ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝውዕል ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ክሳብ 2020 ዓ.ም.Fአ በብዓመቱ 100 ቢሊዮን ዶላር ክህባ እየን።

እቲ ስምምዕ ብሕጊ ቀያዲ ዘይምዃኑ ግን ስግኣቶም ዝገልፁ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:17:03 0:00

XS
SM
MD
LG