ዋሽንግተን —
ኣብ መጀመርታ'ዚ ሰሙን 15 ጥሪ 2024 ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣይዋ ኣመሪካ ዝተኻየደ ፈላማይ ብሓባር ዝግበር ምውሃብ ድምጺ ንሕጹያት ሪፓብሊካን ፓርቲ፡ ንፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሰፊሕ ብልጫ ዘጓናጸፈ ህሞት ኮይኑ ሓሊፉ`ሎ።
ብዝተፈላለየ ገበናት ኣብ ክሲን መስርሕ ፍርድን ዝርከብ ትራምፕ፡ ንፓርቲ ሪፓብሊካን ምምራሑ ምቕጻሉ ካብቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ`ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ዝመጽእ ሰሉስ ኣብ ኒውሃምፕሸር ኣብ ዝቕጽል ካልእ ውድድር`ውን ትራምፕ ከም ዝዕወት ናይ ብዙሓት ግምት ኮይኑ`ሎ። ንምዃኑ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቕጽሉ ዘለዉ ሕጋዊ መስርሓት ኣብ ጉዕዞ ጎስጓስን ኪነውን እንታይ ጽልዋታት ይህልዎም ይኸውን? ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብ ምዃን ዘዕግሞ ነገር`ከ ይህሉ`ዶ?
ካብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሽጋን፡ ንደሞክራሲ ኣመሪካ ብቀረባ ዝከታተል ኣቶ ካሕሳይ ገብረኣብ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ቅጥዒ