ኣቦ ወንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ዝተመረፁ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝቕፅል ሶኒ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ፓርላማ ቃለ ምሓለ ክገብሩን ንዝህቢ ኢትዮጵያ መደረ ከስምዑን እዮም።
ህዝቢ ካብ ዶ/ር ኣብዪ እንታይ ክሰምዕ ይደሊ?ቀዳምይ ምንስቴር ኮይኖም ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ካብኦም ትፅቢት ዝግበሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እንታይ እዮም?ኣብ ቅድሚኦም ዝህልው ዕድላትን ፈተናታትን እንታይ እዮም?ዝብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዝኾኑ ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ ትንታነ ሂቦምና ኣለው።
‘’ዶ/ር ኣብዪ ኣብ ተፈላለየ ፖለቲካዊ ፅፍሕታት ክልልን ፌደራልን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ወታደርን ናይ ፀጥታን ስራሕቲ ምስርሕም ካብኡ ንልዓሊ ድማ መንእሰይን ምሁርን ስለዝኾኑ፤ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ እውን ክሳብ ሕዚ ብግቡእ ኣይተወከልናን ዝብል ቅሬታ ካብ ዝለዓለሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኦሮሞ ስለዝመፁ እዚ ኹሉ ተጠቓሊሉ ናብቲ ቦታ ምድያቦም ብፅቡቕ እየ ዝሪኦ’’ ኢሎም ዶ/ር መሓሪ።
ካብ ኣቦ ወንበር ኦህዴው ናብ ኣቦ ወንበርነት ሃገራዊ ውድብ ክሰግሩ እንተለው ንኹሉ ብሄር ብሄረሰብ፣ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብማዕረ ዘመሓድሩ ምዃኖም ብዘየማትእ ቋንቋ ክገልፁ ይግባእ ዝበሉ ዶ/ር መሓሪ ብህፁፅ ኣዋጅ ዝተረጋገአ ዝመስል ዘሎ ሰላም እቲ ኣዋጅ እንተተላዒሉ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ማንም ዝፈልጥ ሰብ የለን ኢሎም። ’’ናይታ ዓዲ ሰላም ምርግጋእ ከምፅኡ ዝፅዕሩ ምዃኖም ልዕልና ሕጊ ከኽብሩ ዝፅዕሩ ምዃኖም ማንም ኢትዮጵያዊ ዜጋ ኣብ ዝመሰሎ ናይ ኢትዮጵያ ኽፋል ከይተሸቑረረ፣ኻልአዋይ ዜግነት ከይተሰምዖ ብሰላም ክነብር ዝኽእለሉ ባይታ ክፈጥሩ ድልው ምዃኖም ኣብ መደርኦም እንተዝገልፁ ደስ ምበለኒ’’ ኢሎም ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ።
ብኻሊእ ወገን ካብ መደረ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ኣባላት ፓርላማ ዝነበሩ ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን ኣቶ ግርማ ተዛሪቦም።
ካብ ዶ/ር ኣብዪ ትፅቢት ዝግበር ስሓቢ መደረ ጥራሕ ከይኮነስ ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ምእታው እዩ ዝበሉ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ህዝቢ ብዙሕ ትፅቢት ይገብር እዩ ኢሎም።
ኢህወዴግ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ምምራፁ ታሕጓሶም ዝገለፁ ኣባል ፓርላማ ዝነበሩ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ብወገኖም ‘’ብዙሓት ሰባት ዶ/ር ኣብዪ ክምርፁ ኣለዎም ኢሉ ሪኢቶ ይህበሎም ዝነበሩ ብምዃኖም ኣነ እውን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተፈለኹ ስለዘይኮንኩ ምስኦም ካብ ዝተወዳደሩ ሕፁያት ዶ/ር ኣብዪ ዝሓሹ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ’’ኢሎም።
ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።