ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’መንቀሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ 25 ዓመታት ዝተዋህለሉ ፀገማት እዮም’’ መም. ገብረመድህን ገብረሚካኤል


Political Anaylist Gebremedhin Gebremichael on the State of Ethiopia Current Crises
Political Anaylist Gebremedhin Gebremichael on the State of Ethiopia Current Crises

መንቀሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት እናተዋህለሉ ዝመፁ ፀገማት እዮም ይብል ሓደ ፖለቲካዊ ተንታኒ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለትካዊ ሳይንስ ገብረመድህን ገብረሚካኤል ካብ ኣወንታዊ እቶም ኣሉታዊ ምዕባለታት እናዓብለሉ ብምምፅኦም እዩ ናብዚ ማዕቢሉ ዘሎ ክብል ይገልፅ።

‘’ሓደ መንግስቲ ተቓውሞ ከጋጥሞን ክወድቕ ዝገብሩዎን ብዝተሰርሑ ፅብቓት ነገራት ከይኮነስ ብዘይሰርሖም ነገራት ወይ ብሕማቕ ነገራት ስለዝኾነ ብቐንድነት ምስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምምላስ ጠለባት ዜጋታት ዘሎ ድሩትነት ዓቕሚ መንግስትን እዩ’’ይብል።

መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተወጊዱ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኽጣየሽ 16 ሰባት ዘውፅኡ መግለፂ ብዝምልከት መምህር ገብረመድህን ገብረሚካኤል እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ኣካል ዘይኮነሉ መፍትሒ ክውንነቱ ኣይርኣየንን ኢሉ።

ኣብ ክንድኡ እቲ ገዛኢ ፓርቲ እጀታ ኣለና ንዝብሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዘለው ፖለቲካዊ ሓይልታትን የገድሰና እዩ ዝብሉ ወገናትን ዓዲሙ ብግልፅን ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብን ክዝትን መፍትሒ ክድለን ኣለዎ ይብል።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:22 0:00

XS
SM
MD
LG