ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ ኣብ መግለፂ ኢህወዴግ


ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብዚ ቐረባ ዘካየዶ ናይ 17 ማዕልታት ዕፅው ገምጋም ስዒቡ ዘውፅኦ መግለፂ ካብዝተለመደ ኣገባብ ፍልይን ትርርን ዝበለ ከምኡ እውን ንባዕሎም ብዘይንሕስያ ዝነቐፈ እዩ ይብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሕጊ መምህር ዝኾኑ ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ።

ቀንዲ ምኽንያት ናይቶም ሽግራት ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሽግር እዩ ዝመስል ዝበሉ ዶ/ር መሓሪ ኣብቲ መግለፂኦም እውን ዝኣመኑ ይመስሉ ኢሎም። ‘’ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ዘሎ ናይ ዓቕሚ፣ናይ ቕንዕናን ናይ ውፍይነት ጉዳያት እናተሸርሸ ምኻዱ እዩ ዝመልስ’’ኢሎም።

እታ ሃገር ካብዝኣተወቶ ዕንክሊል ክትወፅእ ህዝቢ ክስማዕ ኣለዎ ጥራሕ ከይኮነስ ነቲ ዝሓቶ ዘሎ እውን ግቡእ መልሲ ብእዋኑ ክውሃብ ኣለዎ ኢሎም።ናይታ ዓዲ ናይ ሓሳብ ብዝሑነት ኣብ ምትእንጋድ፣ኩሉ ብሰላምን ብሕን ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ምችው ሃውህው ዝፍጥረሉ ኩነታት፣ሰብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከም ካልኣይ ዜጋ እናተርኣየ ኣብ ድልየት ናይ ወረዳ ኣማሓደርቲ ተመስሪቱ ዝነብረሉ ኩነታት ከብቅዕ፣ዝኾነ ይኹን ዜጋ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ተንቀሳቒሱ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ።

ዝምዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:16:00 0:00

XS
SM
MD
LG