ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስታዊ ትካልን ሰበስልጣን መንግስትን ብዝምልከት ምሁራት እንታይ ይብሉ?


ናይ ሜቴክ ዋና ዳይርከተር ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘውን ምኽትል ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕነት ኣቶ ያሬድ ዘሪሁንን ዝርከቡዎ ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ፣ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝነበሩን ውልቀ ሰባትን ብግዕዝይናን ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉን ቤት ፍርዲ ይቐርቡን ኣለው።

ንብረትን ሃፍትን መንግስቲ ዘጠፋፍኡን ንሰብኣዊ መሰላት ዝግሃሱን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ግቡእ እዩ፤ኣብ ሓደ ወገን ዘተኮረ ከይኸውን ግን ስግኣት ኣለኒ ይብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምምህር ሕግን ዲን ኮሌጅ ሕግን ስነ መንግስትን ኣቶ ገብረህይወት ሓዱሽ።ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ብወገኑ ንተጠርጠርቲ ምእሳር ግቡእ’ዃ እንተኾነ እዚ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ግን ኮነ ኢልካ ንትግራዋይ ንምድኻም ዝዓለመን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎን ስጉምቲ እዩ ይብል።ብሓቂ እንተኾይኑ ህይወት ሰብ ዘጥፍኡ ገበነኛታት ኢሉ ዝወፀውዖም ስልጣን ክወሃቦ ከይኮነስ ክሕተቱ ነይሩዎ ይብል።

እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ምዃኑ መርትዖ ስለዘይብለይ ክፈርድ ኣይክእልን ዝበለ ኣብዚ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ፍሬድሪክ መምህር ኮሌጅ ኣቶ ኣሰፋ ዘብርኣብሩክ እዩ።ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ቦርድ ሜቴክ ስጉምቲ ከይተወስደ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ዝነበሩ ጥራሕ ዝውሰድ ስጉምቲ ሕቶ ከልዕል ከምዝደረኾ ይገልፅ ኣቶ ኣሰፋ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሕገ መንግስቲ ኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ግን እቲ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ መንግስቲ ዝኣመኖን ሓላፍነት ዝወሰደሉን በደል ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ ንዝብል ኣበሃህላ ግን ከምዘይቕበሎን ሓደገኛን ምዃኑ ይገልፅ።

ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:36:45 0:00

XS
SM
MD
LG