ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ የተሓሳስብ'ዩ" ኣና ጎመዝ


ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ተኣሲሮም ዘለው ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተሓሳስበንን እኒ እስክንድ ነጋን ካልኦትን እሱራት ክፍትሑ ኣለዎ ኢለን ከምዝኣምና ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኣና ጎመዝ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበረ ተቓውሞን ግጭታትን ብፌደራልን ክልላትን ዝተኸሱ 528 ሰባት ክሶም ተቛሪፁ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ምፍትሖም ስዒቡ ዓለምለኸ ትካላት ሓዊሱ እቲ ስጉምቲ ዝትባብዕ እዩ ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኣና ጎመዝ ሓንቲ ካብኦም እየን።

“528 ሰባት፣ ዶ/ር መረራን ካልኦት ንነፃነት ክቃለሱ ዝነበሩ ክቡራት ኢትዮጵያዊያን ምፍትሖም ብርግፅ ሕጉስቲ እየ።ይኹን እምበር ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ወህኒ ቤት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጉዳይ ድማ የተሓሳስበኒ።እዞም ሰባት እዚኦም ናይ ፖለቲካ እሱራት እዮም።እዚ መንግስቲ እዚ ናይ ፖለቲካዊ እሱራት የብለይን ክብል ከሎ ድኹም ኣተሓሳስባ ንዘለዎም ሰባት ጥራሕ እዩ ከተዓሻሽው ዝኽእል እምበር ፖለቲካዊ እሱራት እዮም።”

ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝተኣስሩ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ኦሎምፒክ ተቓውምኡ ዘስምዐ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳን ኣቦ መንበር ሸውዓተ ግንቦት ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን ኣብ ዝተሳተፍሉን ኣና ጎመዝ ኣብ ዘዳለውኦ ኣኼባ ድሕሪ ምስታፎም ምዃኑ ዝገለፃ ንሰን ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ፀቕጢ ንምፍጣር ፃዕሪ ክገብር ከምዝፀንሐ ብምግላፅ ሕዚ ናይ ዶ/ር መረራ ምፍታሕ ንፍትሒ ናይ ዝቃለሱ ርኡይ ኣብነት ስለዝኾኑ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢለን።

ንሒደት ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት እኒ በዓል እስክንድር ነጋ፣በቀለ ገርባ፣ውብሸት ታየ፣እንዳርጋቸው ፅጌን ካልኦት ብዙሓት ክፍትሑ እዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ ክብላ ንገሊኦም ብሽም ዘርዚረን።

ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ካልኦት ወገናትን ምዝርራብ ከምዘድልይ ወሲኸን ገሊፀን ኣለዋ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ናይ ኣና ጎመዝ ፃውዒት ይቕበልዎ’ዶ ይኾኑ?ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ከምዚ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም።

“ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ንሃገርናን መንግስትን ከፀልማ ካብ መንጎ ዝነበሩ ኣና ጎመዝ ሓንቲ እየ።”

ኣና ጎመዝ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ፃዕርታት ከምዝገበራ ገሊፀን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG