ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓሲንባ ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ግፍዒ ብምውጋዝ መግለፂ ኣውፂኡ


ናይ ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ኵናት ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ ትማሊ ኣውፂኡ ኣሎ።እቲ ኵናት ክጅመር ከሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ተባሂሉ እንተነበረ እውን እቲ ኩነታት ግን ንህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽ ዳግም ቅንዕ ከይብል ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ይስራሕ ዘሎ መርኣያ ታሪካዊ ጌጋ እዩ ኢሉ ኣሎ።ካብቶም መርኣያታት ሓደን ቀንድን ኢሉ ዝጠቐሶ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኵናት ካብ ምስታፉ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ እና ጨፍጨፈ ሃብቲ ህዝቢ ትግራይ እናዘረፈ ናብ ትግራይ እናግዓዘ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ እናፈፀመ እዩ ይብል እቲ መግለፂ።

ኣብቲ ባይታ ሰባት ነዚ እንተገለፁን መንግስቲ ኣሜሪካ እውን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምስታፉ እሙን ሓበሬታ ኣለኒ እንተበለ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ናይ ትግራይ ብልፅግና ፓርቲን መንግስቲ ኤርትራን ነቲ ክሲ ይነፅጉዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ‘’ሕዚ እቲ ቀንዲ ወታደራዊ ስርሒት ስለ ዝተወድአ ዕማምና ናይ ምሕዋይ ስራሕን በቲ ግጭት ዝዓነው ኣገልግሎታት መጎዓዚያን መራኸብን ናብቲ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ስራሕ እዩ’’ ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ድማ 12 ኣባላት ዝሓቖፈ ካብኔ ኣጣይሹ ስርሑ ዝጀመረ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንምሃብን ዝተቋረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማርን ፃዕርታት የካይድ ከምዘሎ ገሊፁ።ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ናይ መብራህትን ስልክን ከምኡ እውን ማይ ናብቲ ንቡር ከምዝተመለሰ ብምሕባር ናይ ኣየር መጎዓዚያ ኣብ ቀረባ ከምዝጅመር ገሊፁ እዩ።


XS
SM
MD
LG