ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ኤርትራዊ ነጋዳይ ኣብ ከተማ ዋው ደቡብ ሱዳን ተቐቲሉ


ደቡብ ሱዳን
ደቡብ ሱዳን

ዝበዝሓ ትካላት ንግዲ ደቡብ ሱዳን ከተማ ዋው ብምክንያት ሞት መሳርሕቶም ሎሚ መዓልቲ ተዓጽዮም ወዒሎም። ሰበ-ስልጣን’ታ ከተማ ብመሰረት መባእታዊ ምርመራ እቲ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብዕጡቓት ሰረቕቲ’ዩ ተቐቲሉ ይብሉ።

መዋቲ ኤርትራዊ ነጋዳይ ሃብተማርያም ኣማኒኤል ይበሃል። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣሜሪካ ብዝሃብዎ ቃል መሰረት መንነቶም ዘይተፈልጠ ኤኬይ 47 ጠበንጃ ዝዓጠቑ ሰባት ናብ መንበሪ’ቲ ኤርትራዊ ብምእታው ኣብ ድቃሱ ከሎ ከምዝተቐተልዎ ይገልጹ።

ጆርጅ ጄምስ ዝተባህለ ደቡብ ሱዳናዊ ዜጋ ምስ መዋቲ አብ ሓደ ቀጽሪ ዝነብር ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ይብል።

‘ብሰንኪ ምውቕ ኩነታት ኣየር ኩሉ ሰብ ኣብ ደገ’ዩ ዝድቕስ; ገልጠምጠም ድምጺ ሰሚዑ ካብ ድቃሱ ምትንስኡን ኩናቱ ከምዘልዓለ ናብ ደገ ምስ ወጸ ኣርባዕተ ወታሃደራት መሳርያን ላምፓዲናን ዝሓዙ ከምዝረአየ ናብ ሓደ ጸግዒ ምስተጸግዓ ድማ ከምዝረአይዎን ንእኡ’ውን ከጥቕእዎ ከምዝፈተኑ እንተኾነ እቶም ካልኦት ጎረባብቲ ፊስካታቶም ምፍጻይ ምስ ጀመሩ ካብ ቅትለት ከምዝደሓነ ይገልጽ። እዚ እንተዘይከውን ንዓይ’ውን ምቐተሉኒ ኔሮም ይብሉ።

ጄምስ ሃብተማርያም ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞተ እቶም ቐተልቲ ድማ ዋላ ሓደ ንብረት ከምዘይወሰዱ ይገልጽ።

ዶክተር ኤድሞንድ ሰቢት ካብ ከተማ ዋው ሆስፒታል ሃብተማርያም ብዘጋጠሞ ተደጋጋሚ መውጋእቲ ዘስዓቦ ውሽጣዊ መድመይቲ ምሟቱን ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ከተማ ዋው ከንቲባ ኤኮል ኣጂት በቲ ዘጋጠመ ሞት ከምዝሓዘኑ ገሊጾም ብርግጽ ገለ ነጋዶ ብዕጡቓት ሰረቕቲ ቅድሚ ሕጂ’ውን ምቕታሎም ሓቢሮም። ብሰንኪ ምንሃር ዋጋታት ገለ ሰባት መሳርያታቶም ንዘረፋን ይጥቀምሉ ኣለዉ ኢሉ።

ብተወሳኺ እቶም ከንቲባ ኣብዚ ሰሙን ካልእ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ኣብ ሰላማዊያን ሰባት ምፍጻሙን ኣስቤዛ ጽዒና ትንቀሳቀስ ዝነበረት መኪና ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ትማሊ ረቡዕ ምሟቶም ይገልጽ።

እንተኾነ ግን ከንቲባ ኣኮል ፖሊስ ነቶም ቀተልቲ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር ክሳብ ዘእትዎም ኤርትራዊያን ነጋዶ ዋው ክሃድኡን ስርሖም ክቅጽሉ ጸዊዑ።

Recommended

XS
SM
MD
LG