ነባሪ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ'ዩ። አርካን ሃይለ ይበሃል። ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ 4-ዓመቱ ናብ አዲስ ኣበባ ምስ ወለዱ ከይዱ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ዕድሚኡ ናብ ኣሜሪካ መፂኡ።
ኣቶ ኣርካን ሃይለ ኣብ ኣሜሪካ ተማሂሩ ንዝሓለፉ ዳርጋ 11-ዓመታት ኣብ ሓደ ናይ ሕጊ ትካል ይሰርሕ'ሎ። ኣብ ዝመፅእ ሰሙን 26-ሚያዝያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንአባልነት ባይቶ'ታ ኸተማ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ሕፁይ ኾይኑ ቀሪቡ'ሎ።
ኣብዚ ምርጫ ንኽካፈል ዝደረኾ ኣብታ ከተማ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ምኻኑ ዝተዛረበ ኣርካን ሃይለ ኣብ ስርሖም ፅቡቅ ዘይኾኑ መማህራን ካብ ስርሖም ንምስንባቶም ድሕር ክንብል የብልናን ተሓታትነት ክህሉ'ለዎ ኢሉ'ሎ።
ኣብዚ ውድድር ምርጫ ሓቢሮምኒ ዝወዳደሩ ዘለው ተሞክሮ ዘለዎም ብሞየኦም ኣብ ፖሎቲካ ዘለው'ዮም ሓደ ካብአቶ'ውን ቅድሚ ሎሚ ኣባል'ቲ ባይቶ ዝነበሩ'ዮም ዝበለ ኣቶ ኣርካን ሃይለ ካብዚ ከይዲ ንመፃኢ እንታይ ክገብር ንመን ክዛረብ ከምዘለኒ ተማሂረን ይመሃርን'ለኹ ኢሉ።