ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ገዛ እታ ዝኸፍአት ስድራ ንዘቤታዊ ቅትለት” ሕ/ሃገራት


ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ገበንን መድሃኒትን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት 140 ደቀንስትዮ ኣብ ገዛ ከም ዝቕተላ ጸብጺቡ። እቲ መጽናዕቲ ንኣንስቲን ደቀንስትዮን እቲ ዝኸፍአ ቅትለት ዝፍጸመሉ ስፍራ ገዛ ምዃኑ’ዩ ይሕብር።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ብመጻምድቲን መቕርብ ኣባል ስድራቤትን’ዩ።

ኣፍሪቃ እታ ዝኸፍአት ቅትለት ደቀንስትዮ ብመቕርብን መጻምድቲን ዝተራእየላ ኣህጉር ክትከውን እንከላ፡ እቲ ተርእዮ ብተመሳሳሊ ኣብ ኵላተን ኣህጉራት ከም ዝርአ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 80% ናይ ጠቕላላ ግዳያት መቕተልቲ ደቂ-ተባዕትዮ ምንባሮም ዝሓበረ እቲ መጽናዕቲ፡ ደቀንስትዮ 20% ጥራይ ደኣ ይንበራ እምበር፡ ካብቲ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ብዝፍለ ናታተን ቅትለት ኣብ ገዛን ብናይ ቀረባ ኣባል ስድራን ምንባሩ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG