ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አምስት ኢንተርናሽናል ኢትዮጵያ ንሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት ሰማያዊ ፓርቲ ነበር ክትፈትሕ ጸዊዑ

  • መለስካቸው ኣምሃ
  • ምንያ ኣፈወርቂ

ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት ሰማያዊ ፓርቲ ነበር ኣቶ ዮናታን ተስፋዬ

ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት ሰማያዊ ፓርቲ ነበር ኣቶ ዮናታን ተስፋዬ ተግባር ግብረ-ሽበራ ንምፍጻም: ብምድላውን ውዲት ብምሕሳብን ብምልዕዓልን ገበን ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም ክሲ መስሪቱ።

ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ኽሲ ኣቶ ዮናታን ተስፋዬ ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት ሰማያዊ ፓርቲ ነበር ንዕላማ ግንባር ሓድነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንምዕዋት ኣብ ማህበራዊ መራኸብ ብዙሃን (ፌስቡክ) ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጽሑፋት ብምውጻእ ተግባር ሽበራ ፈጺሙ'ዩ ይብል።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ጉጅለ ሽበራ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጸወዓ ብምኳኑ ተኸሳሲ ንዕላማ'ቲ ጉጅለ ንምዕዋት ንክልል ኦሮምያን ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባታት ማስተር ፕላን ኸውሊ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት ንዝተጀመረ ተቃውሞን ህውከትን ንክቅጽልን ንካልኦት ብምልዕዓልን ብፌስቡክ ዮናታን ተሬሳ ረጋሳ ብዝብል ስም ጽሑፋት ብምውጻእ ተግባር ተኸሲሱ'ሎ ይብል።

ብኻልእ ወገን ንቤት-ፍርዲ ተዳፊርኩም ብዝብል ክሲ ተከሲሶም ክእሰሩ ተፈሪድዎም ዝነበሩ ክልተ ኣባላት አመራርሓ ተቃወምቲ ፓርቲ ዝተለቁ ክኾኑ ኸለዉ ሓደ ድማ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ክፍትሑ'ዮም ተባሂሉ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG