ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ


እቲ ንኣሽሓት ዜጋታት ብጃምላ ዝሓፈሰ መስርሕ ምእሳር ኣብ ክልል ኣምሓራ ሎሚ ሰኑይ ራብዓይ ወርሑ መሊኡ ዝበለ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ስጉምቲ ብህጹጽ ደው ክብልን መሻርኽቲ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብሩን ጸዊዑ።

እቲ ትካል ሎሚ ሰኑይ 28 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ብጃምላ ተሓፊሶም ተኣሲሮም ዘለዉ መንግስቲ ብህጹጽ ክፍትሖም ጸዊዑ።

መግለጺ ኣምንስቲ ከም ዝጠቕሶ፡ እቲ ብ28 መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ እንኮላይ ንደያኑ፡ ኣባላት ሓገግቲ ኣካልን ካልኦት ኣብ ኣካዳሚ ዝርከቡ ዘነጻጸረ ምንባሩ ይጠቅስ። መግለጺ ኣምንስቲ ከም ዝሕብሮ፡ ምስቲ ጉዳይ ተኣሳሲሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካላት ሲቪካዊ ማሕበራትን ናጻ መድረኻትን’ውን ይዓጹ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ምምሕያሽ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

ከም ሓበሬታ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል፡ ድሕሪ ወርሒ መንግስቲ ንኣማኢት ካብቶም እሱራት ፈቲሑ እኳ እንተዀነ ካልኦት ኣሽሓት ግን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG