ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገምጋም ኣምንስት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዓመተ-2022፤ “ከበድቲ ሰብኣዊ መግሃስታት”


ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ክምዝግብ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ እቲ ዝነበረ ስእነት መሰረታዊ መሰላት መሊሱ ከም ዝተጋደደ ጸብጺቡ።

ትካል ኣምኒስት ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፤ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት መራሕቲ ነበርን ኣመንቲ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ ዝተባህለ ሃይማኖታትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ንዓለምለኻዊ ስምምዓትን ብዝጥሕስ መገዲ ምእሳሮምን ኣብ ምቅላል እቲ ተርእዮ ዝነበረ ተበግሶ ዘይምንባሩን ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ፡ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ደቀንስትዮን ኣብ ቦታ ታዕሊምን ካልእን ምርኣዩ’ውን ሓቢሩ።

ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተዀነት፡ ንኽብሪ እቲ ውድብ ዘዕግብ ስራሕን ምትሕብባርን ዘይምርኣያ’ውን እቲ ጸብጻብ ብፍሉይ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ: ሰፊሕ ስግረ-ዶባዊ ግፍዕታትን ሰብኣዊ ዓመጻትን ምግባሩ’ውን ኣምኒስት ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ኤርትራ እታ እንኮ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ካብተን ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት ዓለም ንሓገዝ ጸረ-ኮቪድ19 (ኮቫክስ) ዝነጸገትን ብዛዕባ’ቲ ለበዳ ንዓለም ማዕጾኣ ዘይከፈተትን ኢሉ’ውን ኣምኒስት ብፍሉይ ረቚሑዎ ኣሎ።

ትካል ኣምኒስት ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ብተመሳሳሊ በበይኖም ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ንዓለማውያን ስምምዓት ዝጥሕሱ ፍጻመታትን ምግጣሞም መዝጊቡ። እቲ ትካል ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሰብኣዊ ቅልውላውን ግፍዕን ኢሉ ብፍሉይ ዝረኣዮ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናትን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽአ ምክልባትን’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ጎንጺ፡ ኣሽሓት ተወላዶ ትግራይ ግዳይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መቕተልቲ፡ ምጕስቓል፡ ሰብ-ሰርሖ ጥሜትን ምዃኖም ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ገሊኡ፡ ምስ “ገበናት ኲናት” ኢሉ ዝጸውዖ ጥሕሰታት ሕጋዊ መስርሕ ዝኽተለሉ ኣገባብ’ውን ዘይምፍጣሩ ኣዝዩ ከም ዘሻቕል ኣምኒስት ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምግፋሑ ንከበድቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ቀንዲ ጠንቂ ምንባሩ ኣምኒስት ኣመልኪቱ። ብዘይካ’ቲ ብተዛማዲ ሰፊሕ ኣቓልቦ ዝረኸበ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ሶማሌ፡ ደቡብ፡ ጋምቤላ፡ ኦሮሞ፡ ኣምሓራን ቤን-ሽንጉልን ተደጋጋሚ ጎንጽታት ምንባሩ’ውን ኣምኒስት ሓቢሩ። ብሰንኪ’ቲ ሰንሰለታዊ ዘይርጉእ ኩነታት ድማ ኣሽሓት ሲቪላውያን ዜጋታት ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝዀኑ ጸብጻብ ኣምኒስት 2022 ይሕብር።

XS
SM
MD
LG