ዋሽንግተን —
ወትሃደራት ኤርትራ ‘ብኣማኢት ዝቁጸሩ ሰባት’ መብዛሕተኦም ሰብኡት፣ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከምዝጨፍጨፉ’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝዘርገሖ ሓድሽ ሪፖርት ገሊጹ።
ሪፖርት ኣምነስቲ፣ ምስ’ቲ ኣሶሴትድ ፕረስ ዝሓለፈ ቅነ ዘውጸኦን ንምስክራት ልዕሊ ኣርባዓ ሰባት ዝሃብዎ ቃልን ዝሰማማዕ ኮይኑ ኣሎ።
ውግእ ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅመር ንነዘ እቲ ዝኸፍአ ጭፍጨፋ ዝበሎ እቲ ሓድሽ ሪፖርት፣ ወትሃደራት፣ ይሃድሙ ንዝነበሩ ሰባት ተኩሶም ከምዝቀተሉ፣ ንሰብኡት እናጋደሙ ከምዝረሸኑ፣ ህዝቢ’ታ ከተማ ንዝተቀትሉ ሰባት ክንቀብር እንተበሉ ኣይትኽእሉን ከምዝበሉዎም ይሕብር።
ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጭፍጨፋ ኣብ ኣኽሱም ‘ዝምልከቶም ኣካላትን ትካላትን ከጻርዩን ገበን እንተተፈጺሙ ከረጋግጹን እዮም’ ክብሉ ከለው ኤርትራ ብወገና ነቲ ሪፖርት ‘ናይ ሓሶት ሪፖርት’ ኢላ ገሊጻቶ ኣላ።