ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሃገራት ኣውሮጳ ብሓፈሻ ኢጣልያ ብፍላይ ድማ ንስቅያት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ተሓተቲ’ዮም" ኣምንስቲ


ሃገራት ኣውሮጳ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኢጣልያ ንስቅያት ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ሊብያ ዝርኸቡ ስደተኛታት ተሓተቲ’የን ክብል ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት በዚ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ሓድሽ ሪፖርት መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ሃገራት ዝአትው ቁጽሪ ስደተኛታት ንምጉዳል ክብሉ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት እታ ሃገር ዝውስዱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት “መስርሕ ግህሰት” ምፍጻሞም ይኸስስ።

ኢልዛ ደ ፒሪ ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ተመራማሪት እያ ። ብዛዕባ እቲ ሪፖርትን እቲ ኩነታትን ከምዚ ትብል።

“ እቲ ደረጃ እቲ ዝፍጸም ዓመጽ ዘሰቕቅ’ዩ። እዞም ሰባት ኣብ ቀጻሊ ፍርሂ’ዮም ዝነብሩ። ዝወሃብ መግቢ ኮነ ማይ የለን፡ ኩሉ ብገንዘብ ከፍልኻ ዝርከብ’ዩ። ብዙሓት ሰባት ኣዘራሪብና ኢና። ስድራ ቤቶም ብቴሌፎን እንዳሰምዑ ስቕያትን ዓመጽን ከምተፈጸሞም ሓቢሮምና እዚ ድማ ገንዘብ ተከፊልሎም ካብቲ ቦታ ክወጹ’ዩ።እዚ ድማ ኣብዘን መዳጎኒ ማእከላት ልሙድ ተርእዮ እዩ።”

እቲ ሪፖርት ብተወሳኺ ኣብ ሕዳር6,2017 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጠመ ፍጻሜ ብኣብነት ብምጥቃስ ኣብቲ እዋን ኣብ ትጥሕል ዝነበረት ጀልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ንምድሓን ኣብ መንጎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ዘይመንግስታዊ ትካል “ሲ ዎች” ጎንጺ ምግጣሙ ይጠቕስ።

ሰበ ስልጣን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብቲ ክስተት ነቶም ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘኻይዱ ዝነበሩ አባላት ዘይመንግስታዊ ትካል “ሲዎች” ካብቶም ስደተኛታት ንምርሓቕ ነገራት ክድርብዩ ከምተራእዩ ኣምንስቲ ብተወሳኺ ሪፖርቱ ኣስፊሩ’ሎ።

ኣብ ወርሒ የካቲት 2017 ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ፓውሎ ጀነቲሎን አቦ መንበር ፕረዝደንታዊ ቤት ምኽሪ ሊብያ ፈይዝ ኣል ሳሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምጉዳል ስምምዕ ምፍርራሞም ይዝከር።

ኣብቲ ስምምዕ ኢጣልያ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ቅድሚ ምቁራጾም ኣብ ምግታእ ዘካየድዎ ጻዕርታት ዘድልይ ሓገዝ ከምትህብ ከምኡ ውን ንትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ንምምዕባል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከምትህብ ምግላጻ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣውሮጳ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ዘካየድዎ ጻዕርታት ብኣሰርተታት ሚልዮን ዝቑጸር ዩሮ ንመንግስቲ ሊብያ ሂቦም’ዮም።

ይኹን ደኣ እምበር ብመሰረት ሓበሬታ ኣምንስቲ እዚ ሓገዝ ነቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ዘጋደደ እዩ ይብሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ’ዚ ትካል ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ ሕዳር 2017 ኢጣልያ ዝበጽሑ ቁጽሪ ስደተኛታት ብ67 ሚእታዊት ጎዲሉ’ዩ ይኹን ደአ እምበር እዚ ቁጽሪ ብከቢድ ሰብኣዊ ዋጋ ዝተረኽበ እዩ ክብል ኣምንስቲ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

ምሉእ ትሕዝቶ ሪፖርት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG