ዋሽንግተን —
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ስዒቡ፡ መንግስቲ ብዝገብሮ ኣልማማ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስት ኢንተርናሽናል ኣትሪሩ ኰኒኑ። እቲ ትካል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ምስቲ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ስዒቦም ዝተኣስሩ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሜዲያ ክፍትሑን ዘድሊ መርመራ ክግበርን ጸዊዑ። እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ውን መንግስቲ ግቡእ መርመራ ገይሩ ንዝግበኦም ፍርዲ ክህብ ጸዊዑ።
ትካል ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዝበሎም ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሃን፤ ገነት ኣሰማማው፡ ጌትነት ኣረጋው፡ ኣረጋው ሲሳይ፡ መስከረም ኣበራ፡ ኣባይ ዘውዱ፡ ዳዊት በጋሸውን ቴድሮስ ኣሰፋውን’ዮም።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ንገለ ወገናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትዓጹ ሳልሳይ ወርሒ ኣብ እትሕዘሉ ዘላ እዋን፡ ነቲ ማዕቀብ ከተልዕሎ ጸዊዑ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ'ውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።