ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምኒስቲ: ሓማስን እስራኤልን ንህይወት ሰላማዊያን ክከላኸሉ ጸዊዖም


ሓይልታት ፀጥታ እስራኤልን ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤምን ንህይወት ሰላማዊያን ሰባት ንምክልኻል ኩሉ ፃዕሪ ክገብሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፀዊዑ።

እቲ ግጭት ኣብ ዝተላዕለሉ ዕለት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዋና ፀሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ "በቲ ኣብ ውሽጢ ቃዛ እስራኤል ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራባዊ ገምገም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሞት ሲቪላት ኣዚና ኢና ሰንቢድና ዘለና።ዅሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ኸኣ ንዓለምለኸ ሕጊ ከኽብሩን ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ስቪላት ንምውጋድን ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩን ብህፁፅ ንፅውዕ’’ ኢለን።

ንሰን ወሲኸን"ኮነ ተባሂሉ ንሰላማዊያንን ሰባት ዒላማ ምግባር፣ መጠኑ ዝሓለፈ መጥቓዕቲ ምፍፃም ብዘይ ኣፈላላይ ንስቪላት ዝቐትል ወይ ዝጎድእ መጥቃዕቲ ገበን ኲናት እዩ’’ ኢለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG