ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ግዳያት ግፍዒን ብህይወት ዝተረፉን ተስፋ ገይሮምሉ ዝነበረን ተኣማኒ መርመራ ናይ ምፍፃም ዘለዎ ተክእሎን ኣናዳዪ ሓቂ ስርሑ ከምዝተኮልፈ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ።
ኣባል ሃገራት ቤት ምክሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ትኩረቶም ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ከምዘርሐቁን ኮሚቴ ኣናዳዪ ሓቂ ናይ ስራሕ ጊዚ ኡ ከይተናወሐ ከምዝተረፈን እቲ ዜና ይሕብር፥፥
እቲ ቤት ምኽሪ ዘቆሞ ኮምሽን "መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተፍፀመ በደል ብኣድማዒ መገዲ ከፃርዮ ከምዘይከኣለን ዘይሙሉእ (ግጉይ) መስርሕ ስግግር ፍትሒ ጀሚሩ ኣሎ" ክብል ኣስሚሩሉ።
ኣባል ሃገራት ሕ/ሃ ነቲ ካብ ዝተፈላለዩ ተሓለቅቲ መሰላትን ግዳያትን ዝቀረበሎም ምሕፅንታ ምንዋሕ ናይ ስራሕ ጊዜ ኣናዳዪ ሓቂ ዕሽሽ ምባሎም እውን ኣምነስቲ ጠቂሱ ኣሎ።
ቅጥዒ