ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንመሰላት ናጽነት ብዝገደደ ከየጽብቦ ክብል ሻቕሎት ኣስሚዑ


ፓርላማ ኢትዮጵያ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ድሮ ፀቢቡ ዘሎ ሓሳብ ናይ ምግላፅ፣ናይ ምእካብን ናይ ምውዳብን ነፃነት ብዝገደደ ከየጽብቦ ከረጋግፅ ኣለዎ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፀዊዑ።እቲ ትካል ነዚ ዝገልፅ ዘሎ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ብህፁጽ ኣኼባ ንምዝታይ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን እዩ።

ዋና ፀሓፊት እቲ ትካል ሳሊል ሸቲ ንኣባላት ፓርላማ ኣብ ዝፅሓፍኦ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ኦሮሚያን ሶማሊያን ዝተርኣዩ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘሰክፍ እዩ ኢለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG