ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምኒስት ብዘንቆልቍል ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ይሻቐል


ኣምኒስት ብዘንቆልቍል ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ይሻቐል
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00

ኣምኒስት ብዘንቆልቍል ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ይሻቐል

ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኲናት ዩክሬንን ግጭት ማእከላይ ምብራቕን ምስ ካልኦት በበይኖም ብረታዊ ጎንጽታት ተደማሚሩ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ሰፋሕቲ ጥሕሰታትን ምቅላዑ ይገልጽ። ካብ መንጎኦም ድማ ፍልሰት ውልቀ-መለኽቲ ስርዓታትን ቅርቁስ ስልጣንን ነቲ ቅልውላው ከም ዘዕረጎ ኣብቲ ሎሚ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ሓቢሩ። ካብ መንጎ’ቶም ኣምኒስት ዝጠቐሶም ኣዝዮም ኣሰከፍቲ ተርእዮታት ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን መይማርን ይርከቡዎም። እንተዀነ ኣብ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ዝተዋፈሩ እተን ዓበይቲ ሃገራት’ውን ከምዝርከቡ ኣምንስቲ ይሕብር። ከም ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ካብተን ንኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሳ ሃገራት ኰይነን ተመዝጊበን ኣለዋ።

ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተራእየ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ፍልስጤማውያን ምዃኑ’ውን ኣምንስቲ ሓቢሩ ኣሎ።

ዋና-ጸሓፍቲ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዝዀነት ኣግነስ ካላማርድ ካብ መንጎ’ቲ ከበድቲ ዝተባህለ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ከተብርህ እንከላ፤ “መጠን ናይቲ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንምግማቱ’ውን ዘጸገም’ዩ። ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቓዛ ርኢናዮ ኢና። ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝወርድ ጃምላዊ መቕጻዕቲ፡ መቕተልቲ ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ጋዜጠኛታትን ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ’ዩ ዓሪጉ። ኣብ ሲቪላውያን ህዝቢ ዝግበር መቕጻዕቲ ብዝዀነ ነገር ቅቡል ኣይኰነን። ብዘይካ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ዩክሬን ብሩስያ ዝተፈጸመ ተደጋጋሚ በደላት’ውን ተዓዚብና ኢና።”

ኣምንስቲ ኣብ ጸብጻቡ፡ እስራኤል ዓበይቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት እናፈጸመት፡ መሻርኽቲ ሃገራት ግን ዝዀነ ጸቕጢ ከም ዘይገበራ ኣምኒስቲ ይኸስስ። ኣብዚ ጉዳይ ቀንዲ ተጠቃሲት ኣመሪካ ኰይና፡ ንእስራኤል ክትኩንና ዘይምኽኣላን፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዘለዋ ናይ ድምጺ ሓይሊ ተጠቒማ ድማ ውሳነታት ንኸይሓልፍ ምዕንቃጻን ድማ ከም ኣብነት ጠቒሱዎ ኣሎ። ጸብጻብ ኣምኒስት ኣብ ልዕሊ ሩስያ’ውን ተመሳሳሊ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ ቦታ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝፈጸመቶ በደላት ብዘይ ግቡእ ተሓታትነት ንኽትከይድ ከም ዘኽኣላ ኣምኒስቲ ይሕብር።

ጸብጻብ ኣምኒስት ንቻይና’ውን ብተመሳሳሊ ንዝፍጸም ሰብኣዊ ጥሕሰታት እኹል ኣቓልቦን ዝግበኦ ስጕምቲን ንዘይምውሳድ ከም ዝኸልከለት ይሕብር። ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝዀኑ ዓሌት ዩጉሩ ብሰራዊት ቻይና ንዝፍጸመ ተደጋጋሚ በደላት ድማ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዘለዋ ስፍራ፡ ንሽግራት ክኽወል ኣኽኢላ ኢሉ ኣምኒስት ይኸስስ።

ዋና- ጸሓፊት እቲ ትካል ዝዀነት ኣግነስት ካላማርድ ንተራ እዘን ሰለስተ ዓበይቲ ሃገራት ከተብርህ እንከላ፤ “ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሰለስት ዓበይቲ ሃገራት ኣብ መንበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተቐሚጠን፡ ነቲ ውድብ ከም ዘይሰርሕ ገይረንኦ ኣለዋ። ከምኡ ብምግባር ድማ ዓለማዊ ስምምዓትን ሕጋጋትን ብግቡእ ከይትግበር ኣሉታዊ ኣበርክቶ ይገብራ ኣለዋ፡” ትብል።

እቲ ን155 ሃገራት ዳህሳስ ብምግባር ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣምኒስት፡ ኣብ ልዕሊ መሰል ደቀንስትዮ’ውን ርኡይ ምንቍልቋል ከምዝተራእየ መዝጊቡ ኣሎ። ካብ መንጎ’ቲ ተጠቀስቲ ድማ ኣብ ኢራን ዝተራእየ ጥሕሰት መሰላት ደቀንስትዮን ብመሪሕነት ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ክልከላ ዕድላት ትምህርቲ ደቀንስትዮን ይጠቅስ። ብዘይካኡ ከም ኣብ ኣመሪካን ፖላንድን ዝተራእየ ክልከላ ንምንጻል ጥንሲ’ውን ኣምኒስት ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱዎ ኣሎ።

ምዕባለ ቴክኖሎጂ ኣብ ሰፋሕቲ ስርሓት ስለያን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝፈጥሮ ጸገማት’ውን ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓቢ እጃም ይጻወት ምህላዉ ኣምኒስት ኣጠንቂቑ ኣሎ። ግቡእ ክትትል እንተዘይተገይሩሉ መሳርሒ ቴክኖሎጂ ንመሳርሒ ዓፈንቲ ስርዓታት ከገልግል ዘለዎ ዓቢ ተኽእሎ ከምዘለዎ ድማ እቲ ትካል ብሸዓኡ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG