ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዓመተ 2017፡ ፖለቲካዊ ጽልኢን ፍርሂን በገለ ዓበይቲ መራሕቲ ዓለም ዝተራእየላ ዓመት’ያ” ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል


ዓለምለኸ ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዓመተ 2017፡ ፖለቲካዊ ጽልኢን ፍርሂን በገለ ዓበይቲ መራሕቲ ዓለም ዝተራእየላ ዓመት’ያ ክብል ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ኣብ ዳርጋ 160 ሃገራት ዝተፈጸመ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ጸብጻቡ ሰኒዱ’ሎ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብዘጠራጥር ኩነት ኣብ ሜክሲኮ ንዝጠፍኡን ኣብ ዙርያ ዓለም’ውን እሱራት ሕልና ክፍትሑን ጸዊዑ’ሎ።

እቲ ትካል ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻቡ’ውን ብመራሕቲ ግብጺ፡ፊሊፒንስ፡ቬንዝዋላ፡ቻይና፡ሩስያን ኣሜሪካ ተወሲዱ ንዝበሎ ስጉምታት፡ ሰብኣዊ መሰላት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተጋሂሱ’ዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንዝሓለፉ ዳርጋ 60 ዓመታት ንሰብኣዊ መሰላት ክሕለቕ ዝጸንሓ ትካል ‘ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG