ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ትካላት ብምኽንያት ዝወፀ ሕጊ ምንቅስቓሶም ለሚሱ ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል


ኣብቲ ሕጊ ዝተሓቖፉ ገለ ዓንቀፃት ይትረፍስ ናይ ምውዳብ መሰላት ንምጥንኻር መሊኦም ዝጠሓሱ ስለዝኾኑ መንግስቲ ምምሕያሽ ንኽገብረሎም ፃውዒቱ ኣመሓላሊፉ’ሎ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ህፃናት፡ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ሓብርን ናይ ውልቅን መሰላት ዝሰርሑ ትካላት ኣገልግሎቶም ንኽዓፅውን ንኽድረቱን ተገዲዶም ይብል ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ሰሙን ኣብዘውፅኦ መግለፂ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝኾነ ገበርቲ ሰናት ትካላት ንምምዝጋብን ንምምሕዳርን ዝወፀ ኣዋጅ ኣብታ ሃገር ስራሕቲ ሰባኣዊ መሰላት ኣተኣጛጚሉ፡ገሊኦም ትካላት እውን ስርሖም ደው ንኸብሉ ገይሩዎም ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውፅኦ ሓዱሽ ሪፖርት።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምኽትል ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሚሸል ካጋሪ ብዛዕባ እቲ መፅናዕቲ እንትገልፃ ብርክት ዝበሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሽሞም ንክቕይሩ ከምዝተገደዱን ስርሖም ልምዓታዊ ተባሂሉ ኣብዝተሓንፀፀሎም ስራሕቲ ጥራሕ ንኸተኩሩን ተገዲዶም ይብላ።ኣስዒበን ከምዚ ይብላ ‘’ኣብ ስራሕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምቕፃል ዝሓሰቡ ሒደት ትካላት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለዘይረኽቡ ስርሖ ጠጠው ኢሉ።’’

እተን ምኽትል ሓላፊት ኣብ መፅናዕተን ክልተ ዓበይቲ ትካላት ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ባንኪ ዝርከብ ገንዘቦም ንኸይንቀሳቐስ ተኣጊዱ፡ስርሖም ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ 10 ሚእታዊ ኣብ ዘይመልእ ጥራሕ እዩ ተወሲኑ ይብላ።

ኣብ 1987 ዓ/ም ዝተመስረተ ማሕበር ሰብ ሙያ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ እዋን ካብ 17 ሽሕ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ነፃ ናይ ሕጊ ምኽርን ሓገዝን ይህብ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ ማሕበር ይረኽቦ ዝነበረ ገንዘብ ስለዝቐነሰ ስርሑ ኣብ ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ክውሰን ተገዲዱ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፀ ናይ ዜጋታት ናይ ምውዳብ መሰል ተግብራዊ ንምግባር ሕጊ ክውፅእ ኣድላይ ስለዝኾነ ናይ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ማሕበራትን ንዜጋታ እታ ሃገር ዝህብዎ ኣስተዋፅኦ ንምስላጥ ሕጊ ንምውፃእ ኣድላይ እዩ ክብል እቲ ሕጊ ኣብ ፓርላማ ኣቕሪቡ ኣፅዲቑዎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን ኣብቲ ሕጊ ዝተሓቖፉ ገለ ዓንቀፃት ይትረፍስ ናይ ምውዳብ መሰላት ንምጥንኻር መሊኦም ዝጠሓሱ ስለዝኾኑ መንግስቲ ምምሕያሽ ንኽገብረሎም ፃውዒቱ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብምውሳኽ ማሕበረሰብ ዓለምን ለገስትቲ ሃገራትን ከምኡ’ውን ሕብረት ኣፍሪካ፡ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ሰናይ ዝተቐመጠ ናይ ሕጊ እገዳታት ዝልዓልሉ መንገዲታት ንኸተኣላልሹ ሓቲቱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG