ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፍፅምኦ እየን ዝበሎ መግሃስቲ ሰብአዊ መሰላት ገሊፁ’ሎ።


ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መንግስታት ብዝምልከት ዓመታዊ ፀብፃቡ ኣውፂኡ’ሎ።

እቲ ጉጅለ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ክልቲአን ሃገራት ይፍፅምኦ እየን ዝበሎ መግሃስቲ ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ኣምኒስቲ ኢንተአርናሽናል ሓላፊት ጉዳያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝከታተል ክፍሊ ክለየር በስተን ሎሚ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከም ዝበለኦ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብአዊ መሰላት ኣዝዩ ጽንኩር'ዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኸአ ሚስ ክለየር በስተን ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ኣብቲ ናይ ዓሚ ምርጫ ዝሰዓረ ብምፍርራህ መሰላት ብነፃ ምእካብን ብማሕበር ምውዳብን ብምድራት ምንቅስቃስ ሰብአዊ መሰላትን ነፃ ፕሬስን ብፅኑዕ ዝድርቱ ሕግታት ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ'ዩ ኢለን።

ተወሳኺ ፀብፃብ ሰኑይ ክቀርብ'ዩ ተኸታተሉና።

XS
SM
MD
LG