ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንግጭታት ዝህቦ ምላሽ ማዕረ ክኸውን ኣምንስቲ ጸዊዑ


ንህዝቢ ዩክሬን ዝተራእየ ዓለምለኻዊ ሓድነት ኣብ ኻልኦት ግጭታት ንዘለዉ ህዝብታት`ውን ብማዕረ ምላሽ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ሪፖርቱ፡ ምስ ዩክሬን ብምንጽጻር ንከም ግጭታት ኢትዮጵያ:የመንን ኣፍጋኒስታን ዝተዋህቦ ምላሽ ድኹም`ዩ ኢሉ። ኣብ ፓሪስ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበት ዋና-ጸሓፊ`ቲ ጉጅለ ኣግነስ ካላማርድ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝፈጸምዎ ግፍዕታት ገዚፍ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሓይልታት ዩክሬን ዝፈጸምዎ ግህሰታት`ውን ክነጻርዮ ኢና ኢላ።

ከምኡ`ውን ዓለም ንግጭታት ኣብ ዝህቦ ምላሽ ማዕረ መዐቀኒ የብሉን ዝበለት እታ ዋና ጸሓፊት ኣምነስቲ፡ ናይ ዩክሬን ጥራይ ብፍሉይ ክርኣይ የብሉን ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርአ ግጭታት`ውን ማዕረ ጠመተ ክወሃቦ ኣለዎ ኢላ።

XS
SM
MD
LG