ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እሱራት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ንክፍትሑ ኣምነስቲ ጸዊዑ


Amnesty International logo
Amnesty International logo

ኣብ 2001 ዝተኣሰሩ ፖለቲካዊ መራሕቲን ጋዜጠኛታትን ብህይወት ኣለው ዝብል መግለፂ ሚኒስቲር ወፃኢ ዘሕጉስ’ዩ፣ እንተኾነ እቶም ብቕፅበትን ብዘይቅድመ ኩነታትን ይፈትሑ’ ኢሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ሚኒስትር ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ኦስማን ሳልሕ ምስ ሬድዮ ፈረንሳ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ‘እቶም እሱራት፣ ፖለቲካዊ እሱራት’ዮም፣ ብህይወት’ውን ኣለው፣ መንግስቲ ኣብ ዝወሰኖ ጊዜ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ’ዮም’ውን ኢሎም’።

እቶም ኣብ 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ዝተኣሰሩ፣ 11 ፖለቲካዊ መራሕቲን 10 ጋዜጠኛታትን’ዮም።

ሰበ ስልጣን ኤርትራ፣ ሃለዋትን ኩነታት ጥዕናን’ቶም እሱራት ንቤተሰቦም ካብ ምግላፅ ተቖጢቦም ፀኒሖም’ዮም።

ኣምነስቲ፣ ኩሎም ዝተኣሰሩ 21 ሕልናዊ እሱራት’ዮም ኢሉ ከምዝገልፆምን፣ ቅድሚ 15 ዓመታት ካብ ዝተታሓዝሉ እዋን ጀሚሩ ንክፍትሑ ከምዝፀወዐ ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG