ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ንክብል’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ


amnesty international
amnesty international

‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ይበል’ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ተሓላቂ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ንከፍልጥ’ ኣምነስቲ ጸዊዑ ኣሎ።

ሓይልታት ትግራይ ንመቀለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ፖሊስ፣ ን ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ ኣዲሳበባ ብሃውሪ ኣሲርዎም ኣሎ። ብመሰረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ግብሪ ፖሊስ ‘ዘርኣዊ መበገሲ ዘለዎ፣ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፣ መሰኻኽርን ሰብ ሞያ ሕጊን፣ ፖሊስ ናብ መዳጎኒ ስፍራ ቅድሚ ነቶም ተጋሩ ምእታው ከመይ ገይሩ ንመለለዪ መንነት ከምዝፍትሽ’ ተዛሪቦም እዮም።

‘ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲሳበባ ብተዛረብቲ ትግርኛ ቅጽጽ ኢሉ ከምዘሎ፣ ፖሊስ ንተጋሩ ብጅምላ ይኣስሮም ኣሎ’ ይብል ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ምብራቅን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዲፕሮሲ ሙቸና።

‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጅምላዊ ስጉምቲ ምእሳር ደው ንከብሎ ዝጸወዐ አምነስቲ፣ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ተጋሩ፣ ወይ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝተነጸሩ ገበናት ክኽሰሱን ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡን ተዘየለ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑን’ ጸዊዑ ኣሎ።

ብዘይካዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቤተሰብ ንሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ከፍልጦም፣ እሱራት ምስ ጠበቃን ስድራኦምን ንክራኸቡ ክፈቅድ ኣለዎ ይብል ኣምነስቲ።

ገለ ተኣሲሮም ዝነበሩ ብዋሕስ ተፈቲሖም እዮም፣ እንተኾነ ካልኦት ኣማኢት ሎሚ’ውን ምስተኣሰሩ እዮም ኣበይ ከምዝኣተው’ውን ኣይፍለጡን ይብል እቲ ሪፖርት።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወሲኹ ‘ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተኣሰሩ ተጋሩ ዝቀረቦም ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ገበን ዛጊድ ኣይተረኸበን’ ይብል።

አምነስቲ ካብ ርሕቀት ኮይኑ ን 14 ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፣ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ኣዝማድን ተበቃታትን ቃለ ምልልስ ገይሩሎም ኣሎ። ኣብ 2 ሓምለ ካብ ከባቢ መርካቶ ዝተኣሰረ ሓደ ትግራዋይ ‘ፖሊስ ምሸት ንሹቁ ወሪሮም፣ ከምዘንከላበትዎን ንሰራሕተኛታቱን ንዓማዊሉን ከምዝወቅዕዎም፣ መለለዪ መንነቶም ሓቲቶም፣ ንሓሙሽተ ተጋሩ ዝኾኑ ጥራሕ ናብ መደብር ፖሊስ ከምዝወሰዱን’ ጠቂሱ።

ብመሰረት ሪፖርት አምነስቲ ዝጠቀሶ ትግራዋይ ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወሰዱና፣ ኣብ ደገ ኣሕዲሮምና፣ ሙሉእ ለይቲ ማይ ይወቅዕ ነይሩ፣ ንጽባሒቱ’ውን ኣጽኒሖኒ፣ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ’ውን ተጸምቢሮምና፣ ኣብ’ታ ዕለት’ቲኣ 26 ተጋሩ ብሓባር ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ንርከብ ነይርና። 19 ሰባት ተፈቲሕና፣ ነቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣዋሽ ኣርባ ወሲዶምዎ’ ከምዝበልዎ ሓቢሩ።

እቲ ጅምላዊ ማእሰርቲ፣ ኣብ ክልል ዓፋር’ውን ከምዝተኸሰተ፣ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ዝዛረቡ ጋዜጠኛታት ካብ አውሎ ሚድያን ኢትዮ ፎረምን’ውን ብፖሊስ ከምዝተኣሰሩ ሪፖርት አምነስቲ ኢንተርናሽናል ጠቂሱ ኣሎ።

ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ንዝኣሰሮም ሰባት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ከቅርቦም ግድን ከምዝኾነ ይሕብር። እሱራት ስልጥ ኢልካ ናብ ቤት ፍርዲ ምቅራቦም፣ ኣብ ልዕሊኦም መግረፍቲ ንከይፍጸሞም፣ ሕማቅ ኣተሓሕዛ ንከይግበረሎምን ንከይስወሩ ዝከላኸል ኣገዳሲን ክትግበር ዝግበኦን ዓንቀጽ ሕጊ እዩ ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:47 0:00


XS
SM
MD
LG