ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘2015: ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘንቆልቆለላ ዓመት’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ዋና ጸሓፊ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንሪፖርት'ቲ ትካል ኣብ ኩነታት ዓለም ዓመተ 2015-16 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘቓልሓሉ
ዋና ጸሓፊ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንሪፖርት'ቲ ትካል ኣብ ኩነታት ዓለም ዓመተ 2015-16 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘቓልሓሉ

2015: ንዓቕምን ግብረ-መልስን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዝፈተነት፡ ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝተፈናቐለላ ዓመት ኔራ ይብላ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

እቲ ተሓላቒ መሰል ማሕበር፡ ኣብ`ቲ ኣብ’ዚ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ሪፖርቱ፡ ካብ ሶርያ ክሳብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን፡ ካብ ሊብያ ክሳብ የመን ዝኸይድ ቕልውላው ከምዝነበረ ይገልጽ።

ሚሸል ካጋሪ ኣብ ዓለም-ለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት ናይ ምብራቕን ቀርኒ አፍሪቃን፡ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን ፕሮግራም ምክትል ዳይሬክተር
ሚሸል ካጋሪ ኣብ ዓለም-ለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት ናይ ምብራቕን ቀርኒ አፍሪቃን፡ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን ፕሮግራም ምክትል ዳይሬክተር

ኣብ ኤርትራ፡ ደረት ኣልቦ-ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንስደትን ጥሕሰት መሰልን ቀንዲ ምኽንያት ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣምነስቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዓፈና ሚዲያን ዓፈና መሰል ብምንቃፍ፡ ንሰልፈኛታት ብቐታሊ ሓይሊ ምምላስን ካብ ሕማቕ ዝገብሮ ሓደ`ዩ ኢሉ።

ምኽትል ዲይረክተር ንጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ሚሸል ካጋሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተደኮነ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምቲ ን2016 ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብርን፡ ኣብ ውሽጣ ነቲ ቤት ጽሕፈት ዝሓዘት ኢትዮጵያ ድማ ንባዕላ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባር ኣብነት ናይ ምዃን ዕድል ክትጥቀመሉን ጸዊዓ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

‘2015: ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘንቆልቆለላ ዓመት’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:16 0:00

XS
SM
MD
LG