ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣክሱም ተፈፂሙ ዝተብሃለ ጭፍጨፋ ዓለምለኸ ምርመራ ክካይድ ፀዊዖም


ክልተ ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት Amnesty Intranational ን Human Right Watch ን ኣብ ኣክሱም ፈፂሙዝተብሃለ ጭፍጨፋ ነፃ ዓለምለኸ ምርመራ ክካየድ ፀዊዖም።ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ኣክሱም ዝተቐትሉ ወታደራዊ ዩኒፎርም ከይተኸደኑ ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ 93 ሰባት እዮም ክብል ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ እዮም እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ዝገለፁ።

ኣብ ኣክሱም ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ ጭፍጨፋ ቀዲሙ መግለፂ ዘውፅአ Amnesty International ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሎማዕንቲ ንናይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ኣክሱም ምርመራ መልሲ ሂቡ ኣሎ።ጠቕላሊ ዓቃቢሕጊ ኣካይደዮ ዝበሎ ምርመራእቶም ግዳያት ኣብ በሪኽ ቦታ ክፋል ከተማ ኣክሱም ኖቂጦም ንዝነበሩ ወታደራት ኤርትራ ዘጥቕዑ ተዋጋእቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እዮም ምባሉ ይገልፅ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ኣምነስቲ ዝኣከቦም መርትዖታት ከምዝሕብሩዎ ግን መብዛሕቲኦም ግዳያት ዘይተዓጠቑ ስቪላት ነበርቲ ኣክሱም ብዙሓት ካብቲ ህውከት ይሃድሙ ዝነበሩ እዮም ይብል።እቲ ቕትለት ክጅመር ከሎ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረቦም መሰኻኽር ከምዝበሉዎ ወታደራት ኤርትራ ይሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስቪል ደቂተባዕቲዮን መናእሰይን ጠያይቲ የዝንቡ ነይሮም ይብል ኣምነስቲ።

ወታደራት ኤርትራ ንሓደ ጎደና ሓዳሪን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፀገም ንዝነበሮን ከምዝቐተሉዎን ብዙሕ ቕትለት ዝተፈፀመ ገዛ ንገዛ እናፈተሹ ኣብ ናይ ውልቂ መንበሪ ገዛውቲ ንዝረኸቡዎም ኩሎም ደቂ ተባዕቲዮ ከምዝቐተሉን ይገልፅ።ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ወታደራት ኤርትራ ኣብ ገዛ ንዝረኽቡዎም ደቂ ተባዕቲዮ ኣባላት ስድራ ቀቲሎም ይብል ኣምነስቲ።

ወታደራት ኤርትራ ቆልዑ ከይተረፉ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ስድርኦም፣ንስቪላት ምቕታሎም 28 ሕዳር 2020 ኣ\ፈ ክሳብ ምሸት ኣብ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ከተማ ኣክሱም ካብቲ ቅድም ኢሉ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ ሪሒቖም ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ንኣብነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴንጣሊዮስ፣ሳቢያን፣መንሃሪያን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤልን ሓዊሱ እዮም ቀቲሎም።

ዝቕፅል ዕለት 29 ሕዳር እውን ወታደራት ኤርትራ ናይ ዝተቐትሉ ሬሳታት ከልዕሉ ንዝፈተኑ መሓዙትን ስድራን ከምዘጥቕዑ ኣምነስቲ ይገልፅ።

ፀብፃብ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ህወሓት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፁ ገበነኛታት ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዩኒፎም ከዲኑዎም ኢሉ ብምግላፅ ኣብቲ ጭፍጨፋ ታራ ሓይልታት ኤርትራ ኣንኢሱዎ ኢሉ ኣምነስቲ ።

ንመሰኻኽር ዘዘራረበ ኣምነስቲ ግን ኣብ ኣክሱም በብገዝኡ እናፈተሹ ዝቐትሉ ዝነበሩ ወታደራት ኤርትራ ንምዃኖም ናይ ኤርትራዊያን ጥራሕ ዝኾኑ ባህልውን ናይ ቋንቋ ምልክታትን ምርኣዮም ገሊፆም።

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ኣክሱም ጭፍጨፋ ምምርማር ምጅማሩ ከም ሰናይ ተበግሶ ብምቕባል ከምዚ ዝበለ ምርመራ ግን ብቕልጡፍ፣ብዝግባእን ኣድማዕን፣ነፃ፣ ዘይወገናውን ብግልፅን ዓለምለኸ ደረጃ ዘማልአን ምርመራ ይሓትት ይብል።ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንዞም መትከላዊ ኣገባባት ስለዘየማልእ እቲ ውፅኢት ተኣማኒ ኣይኮነን ኢሉ።

ናይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ውፅኢት ምርመራ ዝሕብሮ ነገር ንናይ ኣክሱም ጭፍጨፋ ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ካልኦት መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብናይ ውሽጢ ዓዲ መፍትሕታት ዘይክኣል ምዃኑ እዩ ኢሉ።ኢትዮጵያ ነቲ ጭፍጨፋ ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ብብቕዓት ኣይምርመረትን ይብል።ስለዝኾነ ድማ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንቕድሚት ክኽሰሱ ንዝኽእሉ መረዳእታታት ናይ ምእካብን ናይ ምዕቃብን ስልጣንን ዓቕምን ዘለዎ ነፃ ዓለምለኸ ወይ ዞባዊ ምርመራ ክግበር ደጊሙ ፃዊዕቱ የቕርብ ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ብኻሊእ ወገን Human RightsWatch ዝተብሃለ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘውፅኦ መልሲናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ኣክሱም መብዛሕቲኦም ዝተቐትሉ ኣንፃር ወታደራት ኤርትራ ይዋግኡ ዝነበሩ እምበር ስቪላይ ኣይኮኑን ምባሉ ብምዝኽኻር እቲ መግለፂ ዕሽሽ ዝበሎ ሓቂ ግን ሓይልታት ኢትዮጵያ ነታ ከተማ ኣብ ዝተቖፃፀርሉ ሰሙን ዝነበረ ሰፊሕ ዘረፋን ካብ 28 ሕዳር ድሕሪ ስዓት ጀሚሩ ክሳብ 29 ሕዳር 2020ኣ\ፈ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ብሓይልታት ኤርትራ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ጭፍጨፋን እዩ ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ግጭት ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ንብርክት ዝበሉ ነበርቲ ብኣሰቃቒ ኩነታት ዝቐተልሉ፣ንስቪላት ኣብ ገዝኦም ዝቐተልሉ፣ኣብ ጎደናታት ዝቐተልሉ፣ገለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ደቂ ተባዕቲዮ ዝቐተልሉ ምቕታሎም መንግቲ ኢትዮጵያ ስቕታ ዝመረፀሉ ክገልፅ ኣለዎ ይብል Human Rights Watch።

ናይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ኣክሱም ምርመራ ውፅኢት ዝሕብሮ እንተሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወፃእን ዞባውን መሻርኽቲ ጠንካራ፣ገለልተኛ ዝኾነ ምርመራ ምክያድ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ግዳያትን ስድርኦምን ፍትሒ ዝረኽብሉ ብሕታዊ መንግዲ እዩ ይብል እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ ኣክሱም ዘውፅኦ ውፅኢት ምርመራ ስዒቡ ናይ ኤርትራ ምንስቴር ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ‘’ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝዘለቐ፣ሰፊሕን ኣብቲ ቦታ ብኣካል ብምርካብን ዘካየዶ ዝተምሃዘ ክስታት ‘’ናይ ኣክሱም ጭፍጨፋ’’ ምውፅኡ ብምግላፅ ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል፣ህይወማን ራይትስ ዎችን ንዕኦም ዝመስሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካይድዎ ሕማቕ ወፍሮም ዝተቓልዐሉ እዩ’’ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብሰራዊት ምክልኻልን ወታደራት ኤርትራን ንፁሃን ተቐቲሎም ተባሂሉ ንዝቐረበ ክሲ ቤት ፅሕፈቶም ንኣስታት ኽልተ ኣዋርሕ ክምርም ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ‘'ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ዝተፃረየ መረዳእታ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ሰባት እዮም ኢሎም።ካብቶም ሽዱሽተ ድማ እቶም ሓሙሽተ በከቢድ ብረት ሓደ ክኣ ስዓት እቶ እቶ ብምጥሓሱ ዝተቐተለ፣93 ሰባት ድማ እናተዋግኡ ዝተቐትሉ እዮም ምባሎም ምፅብፃብና ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG