ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸመ ቅትለት ተወላዶ ኣምሓራ ክጻረ ይጽውዕ


ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸመ ጅምላዊ ቅትለት ልዕሊ 400 ተወላዶ ኣምሓራ ንከጻረይ ጸዊዑ።

ነቲ ቅትለት ከምዘይፈጸመ ዝገለጸ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ውድብ ፈጸምቱ ምስ መንግስቲ ዝወገኑ ሚልሻታት እዮም ከምዝበለ’ውን ኣምነስቲ ይጠቅስ።

ዳይረክተር ኣምነስቲ ጨንፈር ምብራቅን ደቡብን ኣፍሪቃ ዲፕሮስ ሙቼና "እቲ ኣብ ቶሌ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዘስክሕክሕ ቅትለት፣ ንህይወት ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክብረት ከምዘይዋሃብ ዝሓበረ እዩ ክብል ገሊጹዎ'ሎ።

ዲፕሮስ ሙቼና ወሲኹ "ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን’ውን ግዳያት ዝኾንሉ ውጹእ ጭፍጨፋ፣ ብናጻ ኣካልን ውጽኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብን ክጻረ ይግባእ" ይብል።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈጻሚ እቲ ንተወላዶ ኣምሓሩ ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝጽውዕ ውድብ እዩ ክብሉ ከለው እቲ ዕጡቅ ሓይሊ ግና ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ትካል ዜና ፈረንሳ ዝዘርገሖ ዜና ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ተዋጋእቲ ትግራይ ሓቢሮም ንክሰርሑ ድሕሪ ምስምመዖም፣ ተፈላጥነቶም እናዓበየ ከምዝመጸ ዝዝከር እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG