ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣዴን ንእዋናዊ ሽግራትን ምኽንያታቶምን ገምጊሙ


ካብ 6 ክሳብ 9 መስከረም ኣኼባ ዘካየደ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይ ብሄረ ዴሞክራሲያዊ ምቅስቓስ /ብኣዴን/ ናይ እዋናዊ ሽግራት ምኽንያቶም ምግምጋሙን ናይ መፍትሒ ኣንፈታት ምቕማጡን ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣባል ማእኸላይ ኮምቴ እቲ ውድብን ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዘጥፍኡ ኣዚዮም ዝበዝሑ ሰባት ብዛዕባ ሰላማዊ ቓልሲ፣ምሕላው ናይመንግስትን ህዝብን ንብረትን ካብ ዕንወት ብዛዕባ ምክልኻል ኣስተምህሮ ስለዘድልዮም ምስኦም ንምምይያጥ ምንቅስቓ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

ካብኡ ንላዕሊ ድማ ናይ ውልቀሰብ ይኹን ናይ መንግስቲ ሃፍትን ንብረት ዘዕነውን ዘተሓባበሩን ዝወጠኑ ዝፈፀሙን ብገበን ተጠርጢሮም ዝድለዩ ኣካላት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎምብመሰረት እቲ ሕጊ ክተኣናገዱ እዮም ኢሎም።

ምስ ሽግሽግ ስልጣን ተሳሲሩ ናይቲ ክልል ዋና ኣማሓዳሪ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ሓዊሱ ዝለዓሉ ኣባላት ኣመራርሓ ብዝምልከት እቲ ማእኸላይ ጉባኤ ተዘራሪቡ እንተኾይኑ ኣቶ ንጉሱ ተሓቲቶምኣይተዘራርበን ኢሎም።

ንሶም​: " ንወልቀሰብ ጠቒሱ ኣይተዘራረበሉን።እቲ ሽግሽግ ውልቀሰብ ማኽእለ ዝገበረ ከይኮነስ ስርዓት ማእኸል ዝገበረ እዩ።ውልቀሰባት እናጠቐሰ እኸል ናብቲ እኸለ ናብዚ ዝብል ዝመፅእ ድሕሪ ግምገማእዩ ዝኸውን እዮም " ኢሎም።

XS
SM
MD
LG