ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጥሩ ግጭታት ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ትማልን ሎማዕንትን ብዝተፈጥሩ ግጭታት ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ተቓዋሚ ውድብ መላእ ሓድነት ኢትዮጵያ/መኢኣድን/ ነበርትን ገሊፆም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ማዕልታት ኣብ ክልል ኣምሓራ 28 ሰባት:ኣብ ክልል ኦሮምያ 17 ሰባት ተቐቲሎም ክብል መኢኣድ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ባህር ዳርን ኣብ ካልኦት ከተማታት ጎረባብቲ ዞባታትን ናይ ስርሕ ኣድማን ዕግርግራትን ከምዝነበሩ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ናይ መኢኣድ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ ብወገኖም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈጥረ ግጭት ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም። ኣብ ከተማ ስማዳ ብዛዕባ ዝነበረ ከምዚ ክብሉ ገሊፆም።

ንሶም:" ህዝቢ ሎማዕንቲ ኣብ ስማዳ ንሰልፊ ወፂኡ ነይሩ። ኣብ እዋን እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓይልታት ፀጥታ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 20 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ንምፍላጥ ክኢለ ኣለኹ" ኢሎም።

ኣብቲ ሰልፊ ተሳቲፈ ዝበለ ሓደ መንነቱ ዘይገለፀ ሰብ ከምዝበሎ ኣብታ ከተማ ብሰላማዊ ኣገባብ ተቓውሞ ይካየድ ከምዝወዓለ ብምግላፅ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ተሰቒሉ ዝነበረ ኮኾብ ዘለዎ ባንዴራ ብምውራድ ካሊእ ባንዴራ ንምስቓል ኣብዝተገብረ ፈተነ ግጭት ተላዕሊ እቶም ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ወገራ እውን ሰልፈኛታት ናብ ከተማ ክንኣቲ ኢና ኣይትኣትውን ብዝብል ኣብ መንጎ እቶም ሰልፈኛታትን ሓይልታት ፀጥታ ብዝተልዓለ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ኣርባዕተ ሓይልታት ፀጥታን ሰለስተ ሓረስቶትን ብድምሩ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣቶ ሙሉጌታ ሓቢሮም።

ኣብ ምዕራብ ጎጃም እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ሃዊ ወረዳ ዳንግላ መንበሪ ኣባይቲ ሰበስልጣን ሓዊሱ ሓሙሽተ መንበሮ ገዛውቲ ብህዝቢ ከምዝተባርዑ ኣቶ ሙሉጌታ ገሊፆም።

ንሶም: "ኣብ ምዕራብ ጎጃም ዞባ ሃዊ ወረዳ ዳንግላ ንመንበሪ ገዛውቲ ከንቲባን ምምሕዳር መሬትን ሓዊሱ ንሓሙሽተ ኣባይቲ ኣቃፂሎም ኣለው። እቲ ህዝቢ ኦ ኢሉ ብምውፃእ ኣብ ልዕሊ ንብረቶም ስጉምቲ ወሲዱ’ሎ" ኢሎም።

ትማሊ ኣብዝተኻየደ ሰልፊ እውን ብሓደ ምፅራይ ገበን ፖሊስ እቲ ወረዳ ንዝውነን ሆቴል ከምዘቃፀሉ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ ገሊፆም።

ንሱ እውን ንሰብ ከምዝቐተለ፣ካብኦም ጥይት ዘቐብል ዝነበረ ሰብ እውን ከምዝተቐለን ካብቲ ህዝቢ እውን ኣስታት ሸሞንተ ሰባት ከምዝቖሰሉን ነቲ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎም ነቲ ሆቴል ከምዘዕነውዎን ሓቢሮም።ብድምሩ ሰለስተ ሰባት ምማቶም ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ሃዊ ከተማ ቻግኒ እውን ሓይልታት ፀጥታ ንሰልፈኛታት ንምብታን ቶኽሲ ከፊቶም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ሸሞንተ ምቑሳሎም ገሊፆም።

ኣብ ከተማ እንጅባራ እውን ትማሊ ሰንበት ክልተ ሰልፈኛታትን ሓደ ወዲ ሓላፊ ፀጥታን ብድምር ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣቶ ሙሉጌታ ገሊፆም።

ንሶም: "ሓላፊ ዘፈር ፀጥታ ወይ ሓላፊ ሚሊሽያ ኣብ ኮሶበር ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ሂቡ ስለዝነበረ እቲ ህዝቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስዱ ዝገበረ እቲ ሓላፊ እዩ ኢሎም ስለዝኣመኑ ንዕኡ ደልዮም ናብ ገዝኡ ክኸዱ ከለው ንወዱ ረኺቦም ከምዝቐተሉዎ ሓበሬታ በፂሑኒ’ሎ" ኢሎም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ዝተርኣዩ ፀገማት መልሲ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንብረት መንግስትን ህዝብን ከምዝዓነወን ህይወት ከምዝጠፍአን ኣማሲዮም ንመሳርሕትና ሰለሞ ኣባተ ገሊፆምሉ ኣለው።

ንሶም: " ሎማዕንቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ስራሕ ጠጠው ኢሉ ነይሩ።ኣብ መጎዓዚያን ኣብ ትካላት ወሃቢቲ ኣገልግሎትን ኣብ ኣጋ መወዳእታ እውን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተኸሲቱ ነይሩ።ቅድም ክብል እውን ሎማዕንቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ጎረባብቲ ዞባታት እዚኦም ተኸሲቶም እዮም።ሰልፍታት ነይሮም፤ዕግርግር ተፈጢሮም እዮም።በዚ ምኽንያት ንብረት ህዝብን መንግስትን ዓንዩን ህይወት ሰብን ጠፊኡ’ሎ" ኢሎም።

ዝፍፀም ዘሎ ህወከት ብዝተወደብ ኣገባብ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣቶ ንጉሱ መንግስቲ ሕጊ ንምስፋን ይሰርሕ እዩ ዘሎ ዛጊድ ዝበፅሐ ሞትን ዕንወትን ግን ንቕድሚት ክንገልፆ ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG