ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት ሕ/ሃ ካብ ኲናት ሱዳን ሃዲሞም መተማ ንዝኣተዉ ዜጋታት ዝምልከት ኣኼባ ኣካይዶም


መተማ
መተማ

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ጉዳያትን ካትሪን ሱዚ ሓዊሱ ተወከልቲ ካልኦት ትካላት ሕ/ሃ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ፣ ብዛዕባ’ቶም ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ዘለው ዜጋታት ብርክት ዝበላ ሃገራት ዘትዮም።

ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ፣ ነቲ ውሱን ቀረብ’ቲ ክልል ነቶም ኣብ መተማ ዝኣተው ስደተኛታት የቅርቡሎም ከምዘለው ቤት ጽሕፈት ሕ/ሃ ገሊጹ እዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ቢክስ ወርቄ ክልል ኣምሓራ፣ ንዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት የተኣናግድ ከምዘሎን፣ ኣብ መተማ ንዝገብርዎ ጻንሒትን ወጻኢታቶም ይሽፍነሎም ከምዘሎ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ።

XS
SM
MD
LG