ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኢደን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ጸገማትን መበገሲታቶምን ተዘራሪቡ


ኣቶ ንግሱ ጥላሁን
ኣቶ ንግሱ ጥላሁን

ንክልል ኣምሓራ ዘመሓድር ብኢደን ኣብ ቀረባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ኣብ እዋናዊ ጸገማትን መበገሲታቶምን ምኽን ያታቶምን ተዘራሪቡ።

ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ወሃቢ ቃልቲ ክልላዊ መንግስትን ኣቶ ንግሱ ጥላሁን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኢህወደግ ብደረጃ ሃገር ዘመሓላለፎም ውሳነታት ብደረጃ ክልል ተራእዮም ብመሰረት'ዚ ኣብ ሞንጎ ናይ ኣምሓራ ጠገዴን ናይ ትግራይ ጸገዲን ኣብ ዝተባህሉ ወረዳታት ዘሎ ዶብ ብቕልጡፍ ምሕንጻጽ ዝብሉ ካብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ሓደ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብኢደን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ጸገማትን መበገሲታቶምን ተዘራሪቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:44 0:00

XS
SM
MD
LG