ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዳግም ንምውዳብ ይስራሕ ከምዘሎ መንግስቲ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ


ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ክልል ግዛቸው ሙሉነህ-ፋይል
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ክልል ግዛቸው ሙሉነህ-ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዳግም ንምውዳብ ይስራሕ ከምዘሎ ናይቲ ክልል መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ'ቲ ክልል ግዛቸው ሙሉነህ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል፣ፌደራል ፖሊስን ናይቲ ክልል ፖሊስን ንምውዳብ ስራሕ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም ።

መንግስቲ እቶም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ዝተፈላለዩ ናይ ፀጥታ መሓውር ንምውዳብ ምውሳኑ ኣብ ኩሉ ከባቢ ክልል ኣምሓራ ዝለዓለ ተቓውሞ ገጢሙዎ እንተነበረ እውን ካብ ብቕድሚ ትማሊ ጀሚሩ እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ምምላሱ ምፅብፃብና ይዝከር።

XS
SM
MD
LG