ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭት ክልል ኣምሓራ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ጸቕጢ ይፈጥር ምህላው ተሓቢሩ


ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ - ፋይል
ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ - ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ጸቕጢ ይፈጥር ከም ዘሎ ወለድን መማህራንን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣብ ገለ ስግኣት ዝዓሰሎ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ምዝገባ ተመሃሮ ከም ዘይተጀመረ ዝገልጹ ወለዲ እቲ ኩነታት ብሰለማዊ መንገዲ እንተዘይተፈቲሑ እቲ ስግኣት እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ስክፍትኦም ይገልጹ ኣለው።

እቲ ግጭት ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ዓመተ 2016 ዝፈጥሮ ዘሎ ተጽዕኖ ብዝምልከት ካብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኮነ ካብ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ መረዳእታ ንምርካብ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ይኹን`ምበር ኣብቲ ክልል ዕድሚኦም ንትምህርቲ ካብ መንጎ ዝኣኸለ ህጻናት ክሳብ ሎሚ ዝተመዝገቡ 37 ሚእታዊት ጥራሕ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ`ቲ ክልል ንተለቪጅን`ታ ሃገር ገሊጹ ኔሩ`ዩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኩነታት ትምህርቲ ብዝምልከት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክከታተል ከምዘይክኣለ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG