ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣዲስ ኣበባ-ደሴ ምዕጻው ነበርቲ ሓቢሮም


ደሴ
ደሴ

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደሴ ዝወስድ መንገዲ ካብ ዝዕጸው ሳልሳይ መዓልቱ ምቑጻሩ ምንጭታት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ሸዋ ክትረት መካይንን ቕትለትን ክፍጸም ምጽንሑ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

ብሰንኪ ምዕጻው'ዚ መንገዲ ሸቐጣት ብፍላይ ዋጋ ሃለቕቲ ነገራት ናህሪ ዋጋ ኣርእዩ ኣሎ። መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ጽንፈኛ ዝብሎም ሓይልታት ስጉምቲ ይወስድ ብምህላዉን ንሰለማያን ሰባት ካብ ጉድኣት ንምድሓን ክብልን ነቲ ጽርግያ ኣዲስ ኣበባ ደሴ ከም ዝዓጸዎ ይገልጽ። እንተኾነ እቲ ስጉምቲ ምዕጻው መዓስ ደውከምዝብልን እቲ ጽርግያ መኣስ ከም ዝኽፈትን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝፍጠሩ ዘለዉ ጸገማት ጸጥታ ንኦነግ ሸኔን ዕጡቓት ፋኖን ክኸስስ ምጽንሑ ይፍለጥ። ነበርቲ`ቲ ከባቢ መፍትሒኡ ዕርቅን ምይይጥን ጥራይ `ዩ ይብሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG