ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኻት መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንተጋሩ ግዳያት ህውከት ኣዘራሪቦም


ከተማ ጎንደር
ከተማ ጎንደር

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝላኣኾም ወከልቲ፣ ግዳያት ዕግርግርን ህውከትን ኣብ’ቲ ክልል ስለዝኾኑ ናብ ትግራይ ምስ ዝሃደሙ ተጋሩን ሰበ ስልጣን ትግራይን ተዘራሪቡ’ሎ።

ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልላዊ ፕረዚደንት ኣምሓራ ኣቶ ሰማሁ ጥሩነህ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ‘እቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ብህውከትን ዕግርግርን ዝተፈናቀሉ ተጋሩ፣ ኣብ ውግእ ጸረ ድኽነት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶ ዝነበሮምን ዘለዎምን’ዮም’ ኢሎም።

ዕላማ’ቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ትግራይ ክገልጹ ከለው ‘ህውከትን ዕግርግርን ዝምነዩ ሓይልታት ኣብ ክልልና ብሰንኪ ዝፈጠርዎ ዘርኣዊ ምብርባር፣ ዝተወሰኑ ተጋሩ ነበርቲ ክልልና፣ ናብ ትግራይ ዝሃደምሉ ኩነታት ተፈጢሩ’ ኢሎም።

ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ’ዩ ኢለ ብሕልናይ ዝኣመንኩሎም ክልተ ነገራት ኣለው። ቀዳማይ፣ ምብርባር ዘርኣዊ ስለዝነበረ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ትግራዋይ ስነ-ልቦናዊ ፅዕንቶ ከምዝወርዶ ርዱእ’ዩ። ካልኣይ ብሕልፊ ብሕልፊ ኣብ ሽንፋእ ዝወረደ ክልላዊ መንግስቲ ዝፈልጦ ዕንወት’ዩ’ እውን ኢሎምምና።

ምስ ግዳያት ዕግርግርን ህውክትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ተጋሩ ካልእ ዙር ልዝብ ክምዝህልው ዝጠቀሱ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ሰማሁ ጥላሁን፣ እቶም ተፈናቀልቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ይብሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:27 0:00

XS
SM
MD
LG