ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባታት ምዕራብ ጎጃም ኣገልግሎት ቴሌፎን ምቁራጹ ተገሊጹ


 ከተማ ባህርዳር- ፋይል
ከተማ ባህርዳር- ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሕራ ዞባታት ምዕራብ ጎጃም ኣገልግሎት ቴሌፎን ምቁራጹ ድሕነት ቤተዘመድ ክንፈልጥ ኣይካኣልናን ዝበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ነበርቲ ከተማ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ከምዝብልዎ ኣብ ደብረ ማርቆስ፣ ፍኖተ ሰላምን ደንበጫን፣ ካብ ትማሊ ሰሉስ 19 መስከረም 2023 ኣትሒዙ ኣገልግሎት ቴሌፎን ተቋሪጹ ኣሎ። ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ኣብ’ቲ ከባቢ ግጭት ከምዝነበረን ቴሌፎን ደዊሎም ደሃይ ቤተሰቦም ይፈልጡ ምጽንሖምን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ርክባት ምቁራጹ ከምዘሻቀሎም ሓቢሮም።

ብዛዕባ ምቁራጽ ኣገልግሎት ቴሌፎን ዝምልከት ካብ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ይኹን ካብ ካልኦት ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG