ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ፍንጀራ ነታጕ ስዒቡ ስግኣት ዝሓደሮም ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ይሰዱ ከም ዘየለው ገሊፆም።
ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ከተማ ባህርዳር ዶክተር ሙሉኣለም ኣቤ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ቤት ትምህርቲ ኣድቨንቲስት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ መምህርን ክልተ ተማሃሮን ጉድኣት ኣወሪዱ ክብሉ ሓቢሮም።
ንሶም ወሲኾም ነቲ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ቁፅሪ ተምሃሮ ምጉዳሉ ገሊፆም። ኣብያተ ትምህርቲ ብሓይሊ ፀጥታ ክሕለው ስለ ዝተወሰነ ወለዲ ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክልእኹ ፀዊዖም ኣለው።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ጌታቸው ቢያዝን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ተምሃሮ ካብ መእዲ ትምህርቲ ምእላዮም ብምግላፅ ኣብዚ ዓመት ድማ ሓሙሽተ ሚሊዮን ተምሃሮ ኣይተመዝገቡን ኢሎም።
ቅጥዒ