ባህርዳር —
ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግ ህምራ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ፣ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለው ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ኣፍሊጡ።
ሓላፊ’ቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ምህረት መላክ "ዝሓለፈ ክረምቲ፣ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ዘጋጠመ ሓደጋ ተፈጥሮ ብዝምልከት 14 መንግስታዊን ውልቃዊን ትካላት ብዘካየድዎ ዳህሳስ፣ 44 ሰባት ሞይቶም፣ ኣስታት 49 ሽሕ ሄክታር መሬት ዓንዩ፣ 731 ጥሪት ድማ ውሕጅ ወሲድወን፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ህዝቢ ድማ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ ኣሎ" ይብል።
ቅጥዒ