ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ምዕጻው መገዲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕጽረት መድሃኒት ምግጣሙ ሰብ-ሞያ ይገልጹ


ከተማ ባህርዳር - ፋይል
ከተማ ባህርዳር - ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ምዕጻው መገዲ፣ ሕጽረት መድሓኒት ከምዘጋጠመ ወነንቲ ኣብያተ መድሓኒትን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ክልል ኣብ መንጎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ሰራዊት ምክልኻል’ታ ሃገርን ብሰንኪ ንኣዋርሕ ዝቀጸለ ውግእ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር ዝወስድ መገዲ ስለዝተዓጸወ ከቢድ ሕጽረት መድሓኒት ከምዘስዓበ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ሰብ-ሞያ ጥዕና ገሊጾም።

ሕጽረት መድሓኒት፣ ብሕልፊ ሕማም ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን ዘለዎም ሰባት ጽልዋ ከምዘሕደረሎም እቲ ዜና ይጠቅስ።

መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ/ ንምግባር ናብ ማእከላት ጥዕና ዝኸዱ ሰባት ብወገኖም፣ ዝደልዪዎ መርመራ ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ሰባት ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG