ባህርዳር —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ደጋ ዳሞት ኣስታት 30 ሲቪላት ብዕጡቓት ከም ዝተቐተሉ መንግስቲ'ቲ ክልልን ነበርትን ገሊጾም።
ኣብ ዞባ ጎጃም ወረዳ ደጋ ዳሞት `ፈረስ ቤት` ኣብ ዝተባህለት ከተማ 27 ሕዳር 2017 ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ዕጡቓት ፋኖ ፈጺሞሞ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ 37 ሲቪላት ከም ዝተቐተሉ ክልላዊ መንግስቲ ኣፍሊጡ`ሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ቤተ-ሰብ መወትን ነበርትን ሓደ ኣመሓዳሪ`ቲ ወረዳ በቶም ዕጡቓት ፋኖ ከምዝተቐትለ ሓቢሮም ኣለው።
ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዕጡቓት ፋኖ ኣሲሮሞም ካብ ዝነበሩ ኣመራርሓ ፖለቲካ፡ ፖሊስን ሚሊሻን ዝርከብዎም ኣስታት 115 ሰባት፡ ነቶም 31 ቀቲሎም ነቶም ካልኦት ትምህርቲ ሂቡ ከም ዝተለቐቖም ኣብቲ ቦታ ኔረ ዝበለ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።
ካብ ፋኖ ኮነ ካብ መንግስቲ ርእይቶ ንምስማዕ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ቅጥዒ