ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰለስተ ከተማታት ምዕራብ ጎጃም ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ምምላሱ ተገሊጹ


ከተማ ባህርዳር - ፋይል
ከተማ ባህርዳር - ፋይል

ንዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ሰለስተ ከተማታት ምዕራብ ጎጃም ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ናብ ሰለማዊ መንገዲ ከም ዝተመልሰ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ተኹሲ ልውውጥ፡ ሰለስተ ሰባት ሙሟቶምን ልዕሊ 20 ምቑሳሎምን ምንጭታት ሕክምና ይገልጹ`ለዉ። ካብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝተተኮሰ ጥይት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር ዝወስድ ዋና መንገዲ ስለ ዝተዓጽወ መጎዓዝያ ተዓናቒፉ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ግን ከም ዝተኸፍተ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ሓላፊ ኮሚንኬሽን ኣቶ ዘመኑ ታደለ ኣብ ፍኖተ ሰላምን ከባቢኡ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ናብ ሰለማዊ ምንቅስቓስ ተመሊሱ ኣሎ ኢሉ፡ ጠንቂ `ቲ ዘይምርግጋእ ግን ኣይተጠቕሰን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG